‘እተወሰነ መድቡ’
ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያን ጉባኤ: ቈላሕታ ዘድልዮ ስእነት ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ነፍሲ ወከፍ ብስጋ ዝበልጸገ ሰብ ነቶም ስኡናት ንምሕጋዝ ‘እተወሰነ [ወፈያ] ኽምድብ’ ምሕጽንታ ተዋሂቡ ነይሩ። (1 ቈረ. 16:1-3 NW ) ከም ውጽኢት ናይዚ ልግሲ እዚ ኸኣ ኵላቶም ‘ንኣምላኽ ብዙሕ ምስጋና’ ብምሃቦም ተሓጒሶም ኢዮም።—2 ቈረ. 9:11, 12
ሎሚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ህዝቢ የሆዋ ይሰፍሕ ስለ ዘሎ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝዛይድ ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድሊ ኣሎ። ንሕና እውን ሓገዝና ምእንቲ ኽንውፊ ወትሩ ‘እተወሰነ ክንምድብ’ ግቡእ ኢዩ። (2 ቈረ. 8:3, 4) ሓገዝና ብእተፈላለየ መገዲ ኽንህብ ንኽእል ኢና። (ናይ 1 ሕዳር 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-9 ርአ።) እዚ መሰል እዚ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘምጽእ ገይርና ኢና እንርእዮ።—ግብ. 20:35