ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ናብ ህይወት ይመርሕ
1 የሱስ ናብ ኣቦኡ ክጽሊ ከሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ . . . ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ማእለያ ዘይብሉ ዓስቢ ኰን ኢዩ! ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ተጠቒምና: ካልኦት ንዘለኣለም ምእንቲ ክነብሩ እንታይ ክገብሩ ከም ዘድልዮም ንኽፈልጡ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ተገዳስነቶም ንምልዕዓልን ንመጽሓፍ ፍልጠት ንኸንብብዋ ድልየት ከነሕድረሎምን እንታይ ክንብል ምኸኣልና፧
2 መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕነት ንምሃብ ተግባራዊ ምንጪ ከም ዝዀነ ዘንጸባርቕ ኣቀራርባ ብምጥቃም ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ምስ ጐረባብትና ነቲ ናይ ናብራ ግድላት ክንዋጽኣሉ ዝሕግዘና መሪሕነት ዝህብ ተግባራዊ ምንጪ ኣበይ ክንረክብ ከም እንኽእል ንዘራረብ ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዙሓት ሰባት መጀመርታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝውከሱ ነይሮም። ሎሚ ግን ናይ ሰባት ኣመለኻኽታ ተለዊጡ ኢዩ፣ ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት እተጻሕፈ ተራ መጽሓፍ ገይሮም ብምቝጻር ብጥርጣረ ኢዮም ዝርእይዎ። ብዛዕባ እዚ ርእይቶኻ እንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜና ተግባራዊ ኢዩ ክንብለሉ እንኽእል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። [2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።] ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ልክዕ ከምቲ መጀመርታ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጽሓፍ ብመንፈሱ ክድርኽ ከሎ ዝነበሮ ሓይሊ: ሕጂውን ከምኡ ዝበለ ሓይሊ ኢዩ ዘለዎ።” ኣብ ገጽ 16 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ገንጽል እሞ: ብዛዕባቲ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ዝርርቡ ዝሃቦ ተግባራዊ መምርሒ ኣሕጽር ኣቢልካ ተዛረብ። ነቲ ኣብ ቁጽሪ 11 ወይ ከኣ ኣብ ቁጽሪ 13 ዝርከብ ሰባት ዝጠቐስዎ ሓሳባት እውን ኣንብቦ። ነታ መጽሓፍ ዓድላ እሞ: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ፍልጠት ከመይ ገይርና ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ክትምለሶ መደብ ግበር።
3 ጸሎት ንብዙሓት ሰባት ዘገድሶም ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ: ከምዚ ዝብል ሕቶ ብምሕታት ክትመያየጠሉ ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ኣብዚ ናይ ዘመናዊ ግዜና ናብራ ዘጋጥመና ዘሎ ኣሸገርቲ ግድላት: ጸሎት ናይ ሓቂ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ምበልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ ናብኡ ከም ዝቐረቡ እሞ ከምኡ ምግባሮም ድማ ውሽጣዊ ብርታዐ ከም ዝሃቦም ተገንዚቦም ኢዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዘተስፉ። [ገጽ 156 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ገንጽል እሞ ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።] ጌና ግን: ሓደ ሰብ ጸሎቱ ሓድሓደ ግዜ ዘይተመለሸ ኰይኑ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ ‘ከመይ ገይርካ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ከም እትኽእል’ ትገልጽ ኢያ። [ነታ መጽሓፍ ዓድላ።] ምስኡ ዘሎና ርክብ ናብ ሓደ ወገን ጥራይ ዝዛዘወ ስለ ዘይኰነ: እዛ ምዕራፍ እዚኣ ከመይ ገይርና ንኣምላኽ ክንሰምዖ ከም እንኽእል እውን ትገልጽ ኢያ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝመጽእ ግዜ: ክንመያየጠሉ ኢና።”
4 ጽንዓት ንምጅማር ቀጥታዊ ኣቀራርባዶ ክትጥቀም ምፈቶኻ፧ ከምዚ ዝስዕብ ምባል ከስልጠልካ ይኽእል ይኸውን ኢዩ:-
◼ “ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንህብ ኣሎና። ቅድሚ ሕጂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ወሲድካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነቲ እንጥቀመሉ ጽንዓት ንምግባር ዝሕግዝ መጽሓፍ ከርእየካ ኢየ።” ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣውጽኣያ እሞ ገጽ 3 ገንጺልካ ነቲ በዓል ቤት ነቲ ናይ ኣርእስቲ ሰሌዳ ኣርእዮ: “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ እንታይ ከም ዝብል ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧” ብምባል ከኣ ሕተቶ። ነታ ኣዝያ ዘገደሰቶ ምዕራፍ ገንጽል እሞ: ነቲ ንኡስ ኣርእስትታት ኣንብበሉ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ድማ ከመይ ገይርና ኣብቲ ናይ መጽናዕቲ ትምህርትና ከም እንምርምሮ ኣሕጺርካ ክትገልጸሉ ከም እትደሊ ንገሮ። ድሕርዚ ነታ መጽሓፍ ዓድላ።
5 ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነቲ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝርከብ ርጡብ ፍልጠት ምላሽ ይህብሉ ኢዮም ዘለዉ። (ኢሳ. 2:2-4) ብዝከኣል መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽመሃሩን ናብ ህይወት ንኽምርሑን ክንሕግዞም መሰልና ኢዩ።—1 ጢሞ. 2:4