ካልኦት ነቲ ናብ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ከጥርዩ ሓግዝዎም
1 ሃዋርያ ጳውሎስ: ‘ዅሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ [“ፍቓድ ኣምላኽ:” ትሓዓ] ከም ዝዀነ’ ገሊጹ ኢዩ። (1 ጢሞ. 2:4) ካልኦት እዚ ፍልጠት እዚ ክህልዎም ብኸመይ ክንሕግዞም ምኸኣልና፧ ሓደ መገዲ: ነቶም በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ተገዳስነቶም እተለዓዓለ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብንጹርን ቀሊልን ብግቡእ እተመርጸን ቃላት ገይራ ኢያ እተቕርቦ። ንዓኣ ብምጽናዕ ኵሎም ዓይነት ሰባት ናብ ህይወት ክምርሑ ይኽእሉ ኢዮም። ካልኦት ምሳና ኰይኖም ንኸጽንዑ ዘተባብዖም እንታይ ክንብል ምኸኣልና፧
2 ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ተግባራዊ መምርሒ ምዃኑ ምስ ተነግሮም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጽንዓት ክትገብረሎም ክትምለሶም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብቐደማይ መጺአ ከሎኹ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም ሓደ መሪሕነት ዝህብ ተግባራዊ መጽሓፍ ገይርና ክንኣምኖ ከም እንኽእል ተመያይጥና ነይርና። ከምቲ ሓደ ካብቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ዝገለጾ: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ስለዝዀነ: ናይ ምጽንናዕን ተስፋን ርጉጽ ዝዀነ ምንጪ እውን ኢዩ። [ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዝርርብና: ብብሕትና ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ፍልጠት ከመይ ገይርና ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧ ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ነይረ።” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 11 ቁጽሪ 18 ዘሎ ሓሳባት ኣንብቦ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም: ገለ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ከም ዘለዉ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ድማ ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ንኽወስዱ ይሕግዝዎም ከም ዘለዉ ኣመልክት። ነተን ኣብ ምዕራፍ 1 ዘለዋ ቀዳሞት ሓሙሽተ ቍጽርታት ተጠቒምካ: ከመይ ገይርካ ጽንዓት ከም ዝምራሕ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ።
3 ኣብ ፈለማ ምስ ሓደ ሰብ ንጸሎት ከም ኣርእስቲ ተጠቒምካ ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: ጽንዓት ንምጅማር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ካብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ ጸሎት ዝገበርናዮ ዝርርብ ተሓጒስካሉ ክትከውን ተስፋ እገብር። እቶም ናብ ኣምላኽ ዝጽልዩ ከመይ ገይሮም ንሳቶም እውን ብግዴኦም ክሰምዕዎ ከም ዝኽእሉ ተመሊሰ ምሳኻ ኰይነ ንኽመያየጠሉ ቃል ኣትየ ነይረ። ነቲ ኣብ ገጽ 158 ተገሊጹ ዘሎ ኣስተብህለሉ። [ንቍጽሪ 18 ኣንብብ።] ስለዚ እምበኣር: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትና ብምጽናዕ: ነቲ ኣምላኽ ዝብለና ንሰምዖ ኣሎና ማለት ኢዩ። ከምኡ ምግባርና ዝያዳ ናብኡ የቕርበና: ብዛዕባ እቲ እንጽልየሉ ዘሎና ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ዘጋጥመና ግድላት ንኽንዋጽኣሉ ድማ ይሕግዘና። ምሳኻ ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ደስ ምበለኒ።” እቲ ሰብ ፍቓደኛ እንተድኣ ኰይኑ: በታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ጀምር።
4 ጽንዓት ንምጅማር ቀጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒምካ እንተድኣ ነይርካ: ነቲ ናይ ፈለማ ዝርርብኩም ንምቕጻል ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ እቲ ናጻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ፕሮግራምና ዝያዳ ክነግረካ ስለ ዝደለኹ: እንደገና ክበጽሓካ ፍሉይ ጻዕሪ ገይረ ኢየ መጺአ። ቅዳሕ ናይዛ ንጽንዓት መምርሒ እንጥቀመላ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ: ገዲፈልካ ነይረ። ንቃል ኣምላኽ ንኸነጽንዕ ብኸመይ ከም ዘተባብዓና ኣስተብህል። [ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ቍጽሪ 23 ኣንብብ።] መጽሓፍካ ከተምጽኣ ትኽእል እንተድኣ ኰይንካ: ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጠጠው ኣቢልናሉ ዝነበርና ጀሚርና: ጽንዓትና ክንቅጽል ንኽእል ኢና።” ኣብቲ ቀዳማይ እግርኻ ጽንዓት እንተድኣ ዘይጀሚርካ ነይርካ: ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይርና ከም እነጽንዕ ከርእያካ እዚ ንዓይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከይኰነ ኣይተረፍን ኢዩ።” ሒደት ቍጽርታት ምስ ተዘራረብኩም: ኣብ ዝቕጽል መጽናዕቲ ንምግባር እትምለሰሉ ውሱን ግዜ መድብ።
5 ንመጽሓፍ ፍልጠት ብስሉጥ ምስ እንጥቀመላ ንበረኸት ብዙሓት ሰባት ዝኸውን ርጡብ ፍልጠት ንምዝርጋሕ ከኽእለና ኢዩ። (ምሳ. 15:7) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓጐስ የምጽኣሎም: ከምኡውን ምስ ጽድቂ የሆዋ ተሰማሚዖም ክነብሩ: ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክምርሑ ብርቱዕ መለዓዓሊ ኢዩ ዝዀኖም።