ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/96 ገጽ 7
  • ምድላው ናይ ዓወት መፍትሕ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድላው ናይ ዓወት መፍትሕ ኢዩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣገልግሎት ብምድላው ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣቐዲምካ ምድላው ሓጐስ የምጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ተዳሎ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ፍረ እንተድኣ ኣፍርዩ ተጠቐመሉ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 3/96 ገጽ 7

ምድላው ናይ ዓወት መፍትሕ ኢዩ

1 ንኣገልግሎት ኣቐዲምካ ምድላው: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዛዕባ ምክፋል ንዝመጻካ ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ንኽትዋጽኣሉ ክድግፈካ ኢዩ። ኣብቲ እትዅሕኵሖ ማዕጾ ምስ ቀረብካ: ነቶም ሰብ ቤት ክትብሎም ዝደለኻዮ ነገር ትፈልጦ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ኣሸጋሪ ኵነታት ክትጭነቕ ኣየድልየካን ኢዩ። ካብ ኣገልግሎት ናብ ገዛኻ ክትምለስ ከሎኻ ኣብቲ ኣገልግሎት ጽቡቕ ጻዕሪ ከም ዝገበርካ ብምፍላጥ: ትብዓት ክስምዓካ ኢዩ። እወ: ኣጸቢቕካ ምድላው ነቲ ናይ ስብከትን ናይ ምምሃርን ክእለትና ንምምዕባል ዝሕግዝ መፍትሕ ኢዩ።

2 ጳውሎስ ‘ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርና ከም ኣሳእን ከነእቱ’ ብምምሕጻን ኣድላይነት ናይ ምድላው ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (ኤፌ. 6:​15) እዚ ንኣእምሮናን ልብናን ምድላው: ከምኡውን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ፍቓደኛ ናይ ምዃን ኣመለኻኽታን ምህላው እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ሓቂ ንኻልኦት ከነካፍሎም ምስ እንዳሎ: ጻዕርና በቲ ናይታ መንግስቲ ፍረ እተባረኸ ክኸውን ኢዩ: እዚ ድማ ሕጕሳት ይገብረና።​—⁠ግብ. 20:35

3 ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም እትዳለወሉ:- ይሰማማዕ ኢዩ እንብሎ ኣቀራርባታት ምናልባት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ገጽ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ክንመርጽ ይግብኣና። ነቲ ከተጕልሖ ደሊኻ ዘሎኻ ቀንዲ ነጥቢ ንምጕላሕ እንታይ ዓይነት ቃላት ወይ ከኣ ሓረጋት ክትጥቀም ከም ዘሎካ ብምውሳን ነቲ ክትጥቀመሉ መዲብካ ዘሎኻ ጥቅሲ ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። ነቲ ኣቀራርባ ክትሽምድዶ ኣየድልየካን ኢዩ፣ ኣብ ክንድኡ: ነቲ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኻ ክትሕዞ: ብናትካ ቃላት ገይርካ ክትገልጾ: ከምኡውን በቲ ንሰማዕትኻ ክስሕቦም ይኽእል ኢዩ ኢልካ እትግምቶ ኣገባብ ድማ ክትገልጾ ዝበለጸ ኢዩ።

4 ነቲ ክትዕድሎ መዲብካ ዘሎኻ ጽሑፍ ኣቐዲምካ ኣንብቦ እሞ ገለ ዝስሕቡ መዘራረቢ ነጥብታት ምረጽ። ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት የገድሶም ኢዩ ኢልካ እትሓስቦ ገለ ነገር ምረጽ። ነቲ ኣቀራርባኻ ንእተፈላለዩ ሰባት ማለት ንሰብኣይ: ንሰበይቲ: ብዕድመ ንዝሸምገለ: ወይ ንመንእሰይ ከመይ ገይርካ ከም እተሰማምዖ ሕሰበሉ።

5 ናይ ልምምድ ግዜ ብምምዳብ ልምምድ ንምግባር ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ምስ ኣባላት ስድራቤትካ ወይ ከኣ ካልኦት ኣስፋሕቲ ብምሕባር: እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ ኣስላጢ ክኸውን ከም ዝኽእል ተመያየጠሉ: ኵሎም ኣጸቢቖም ኣብ ኣእምሮኦም ምእንቲ ክሕዝዎ ድማ ዓው ኢልካ ድገሞ። ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሓቂ ኵነታትን ተቓውሞን ከተምስሎ ጸዓር። ከምዚ ዝኣመሰለ ልምምድ: ሰጋእ መጋእ ከይበልካ ናይ ምዝራብ ክእለትካ ከመሓይሸልካ ኢዩ: ኣብ ስብከት እትረኽቦ ኣሳልጦ ክውስኸሉ ኢዩ: ከምኡውን ነቲ ዘሎካ ምትእምማን ከዕብየልካ ኢዩ።

6 ኣብ ርእሲ እቲ እትገብሮ ምድላውን ናይ ኣቀራርባ ልምምድን: ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ክትውከሳ ይግብኣካ:- ‘እቲ ክኽደኖ መዲበዮ ዘሎኹ ክዳን ንኣገልግሎት ዝሰማማዕ ድዩ፧ ኣብቲ ናይ መጻሕፍቲ ቦርሳይ እቲ ዘድልየኒ ዘበለ እንተላይ እቲ ክጥቀመሉ መዲበ ዘሎኹ ጽሑፍ ሒዘዮዶ ኣሎኹ፧ ጥዑይ ድዩኸ፧ መጽሓፍ ምምርማር: ትራክትታት: ናይ ካብ ቤት ናብ ቤት መዝገብ: ከምኡውን ርሳስ ሒዘዶ ኣሎኹ፧’ ኣቐዲምካ ሓሲብካ መደብ ምውጻእ: ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ፍረ ዘለዎ መዓልቲ ንኽህልወካ ግደ ኣለዎ።

7 ንገዛእ ርእስና ኸነዳሉ ዝከኣለና ዘበለ ኵሉ ድሕሪ ምግባርና: የሆዋ ዕዉታት ንምዃን ዝሕግዘና መንፈሱ ምእንቲ ክህበና ክንጽሊ ይግብኣና። (1 ዮሃ. 5:​14, 15) ንምድላው ጥንቁቕ ኣቓልቦ ብምግባር: ‘ኣገልግሎትና [“ብምልኣት:” ትሓዓ] ክንፍጽም ከሎና:’ ኣብ ዕዮና ዝዓበየ ሓጐስ ከም እንረክብ ክገብረና ኢዩ።’​—2 ጢሞ. 4:⁠5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ