ሕቶ ሳጹን
◼ ነቲ ብኻልኦት ዝዳሎ መጐዓዝያ ውጽኢት ክትህብ ግቡእ ድዩ፧
ገለ ካባና ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ክንካፈልን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንሳተፍን ከሎና: ኣብ ካልኦት ክንጽጋዕ ዝሓተና ኵነታት ኣሎ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ መደቦም ወጻኢ መጐዓዝያ ንኸዳልዉልና: ግዜኦም: መጐዓዝያኦም: ከምኡውን ካልእ ንብረቶምን ብሕያውነትን ብፍቕርን ተደሪኾም ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩልና ኢዮም። ዋላ’ኳ ካብቲ ዝመደብዎ ኣቐዲሞም ክቀራረቡ እንተለዎም: ናብ ገዝኦም ክምለሱ ድማ ደንጕዮም ዝኣትዉ እንተዀኑ: ንመጐዓዝያታቶም ብፍታው መንፈስ ኢዮም ዘዳልዉልና።
ከምቲ ኣብ ካልእ መዳያት ናይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ዝውዕል እቲ ኣብ ገላትያ 6:5 ዘሎ መምርሒ ኣብዚ’ውን ዝውዕል ኢዩ:- “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።” ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ኣዘውቲሩ መጐዓዝያ ዘዳልወልና እንተድኣ ኰይኑ: ብቓላትና ጥራይ ዘይኰነስ እንተኽኢልና ነቲ ወጻኢታት ንምሽፋን መጠነኛ ውጽኢት ብምግባር ሞሳና ክንገልጽ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 7:12፣ 1 ቈረ. 10:24
ዋላ’ኳ እቲ መጐዓዝያኡ ዝልግሰልና ዘሎ ሰብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንተዘይሓተተ: ወይውን ክሳዕ ክንድዚ ዘድልዮ እንተዘይመሰለ: እቲ ብቕንዕና ዝወሃብ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ብሞሳ ኢዩ ዝርአ። እቲ መራሕ መኪና ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይቅበልን ኢየ ይብል ይኸውን: ከምኡ ኢሉ ክውስን ከኣ ይኽእል ኢዩ። ንስኻ ግን ነቲ ህያብ ክተቕርብ ግቡእ ኢዩ። ንግዜኡ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትህብ እንተ ዘይክኢልካ: ካልእ ግዜ ክማልኣካ ኸሎ ገለ ነገር ኣዛይድ ኣቢልካ ክትህብ ትኽእል ትኸውን።—ሉቃ. 6:38
እቶም መጐዓዝያ ዘለዎም ነቶም ብዘይብእኡ ኣብ ጉባኤ ክካፈሉ ወይ ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፉ ዘይክእሉ: ከመላልስዎም ኣዝዩ ፍቕራዊ ኢዩ። (ምሳ. 3:27) ምስናይዚ ድማ እቶም ካብዚ ሕያውነት እዚ ዝጥቀሙ ዘለዉ: ምስ ኵነታቶም ኣሰማሚዖም ምስጋናኦም ክገልጹ ከለዉ: እዝውን ፍቕራዊ ኢዩ።—ቈሎ. 3:15