ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/96 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ንዚግበር ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ደግፍ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ሓገዝካ ክትውፊ ምኸኣልካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ መስክር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ሳጹን ሕቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 3/96 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ነቲ ብኻልኦት ዝዳሎ መጐዓዝያ ውጽኢት ክትህብ ግቡእ ድዩ፧

ገለ ካባና ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ክንካፈልን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንሳተፍን ከሎና: ኣብ ካልኦት ክንጽጋዕ ዝሓተና ኵነታት ኣሎ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ መደቦም ወጻኢ መጐዓዝያ ንኸዳልዉልና: ግዜኦም: መጐዓዝያኦም: ከምኡውን ካልእ ንብረቶምን ብሕያውነትን ብፍቕርን ተደሪኾም ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩልና ኢዮም። ዋላ’ኳ ካብቲ ዝመደብዎ ኣቐዲሞም ክቀራረቡ እንተለዎም: ናብ ገዝኦም ክምለሱ ድማ ደንጕዮም ዝኣትዉ እንተዀኑ: ንመጐዓዝያታቶም ብፍታው መንፈስ ኢዮም ዘዳልዉልና።

ከምቲ ኣብ ካልእ መዳያት ናይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ዝውዕል እቲ ኣብ ገላትያ 6:⁠5 ዘሎ መምርሒ ኣብዚ’ውን ዝውዕል ኢዩ:- “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።” ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ኣዘውቲሩ መጐዓዝያ ዘዳልወልና እንተድኣ ኰይኑ: ብቓላትና ጥራይ ዘይኰነስ እንተኽኢልና ነቲ ወጻኢታት ንምሽፋን መጠነኛ ውጽኢት ብምግባር ሞሳና ክንገልጽ ንኽእል ኢና።​—⁠ማቴ. 7:​12፣ 1 ቈረ. 10:⁠24

ዋላ’ኳ እቲ መጐዓዝያኡ ዝልግሰልና ዘሎ ሰብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንተዘይሓተተ: ወይውን ክሳዕ ክንድዚ ዘድልዮ እንተዘይመሰለ: እቲ ብቕንዕና ዝወሃብ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ብሞሳ ኢዩ ዝርአ። እቲ መራሕ መኪና ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይቅበልን ኢየ ይብል ይኸውን: ከምኡ ኢሉ ክውስን ከኣ ይኽእል ኢዩ። ንስኻ ግን ነቲ ህያብ ክተቕርብ ግቡእ ኢዩ። ንግዜኡ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትህብ እንተ ዘይክኢልካ: ካልእ ግዜ ክማልኣካ ኸሎ ገለ ነገር ኣዛይድ ኣቢልካ ክትህብ ትኽእል ትኸውን።​—⁠ሉቃ. 6:​38

እቶም መጐዓዝያ ዘለዎም ነቶም ብዘይብእኡ ኣብ ጉባኤ ክካፈሉ ወይ ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፉ ዘይክእሉ: ከመላልስዎም ኣዝዩ ፍቕራዊ ኢዩ። (ምሳ. 3:​27) ምስናይዚ ድማ እቶም ካብዚ ሕያውነት እዚ ዝጥቀሙ ዘለዉ: ምስ ኵነታቶም ኣሰማሚዖም ምስጋናኦም ክገልጹ ከለዉ: እዝውን ፍቕራዊ ኢዩ።​—⁠ቈሎ. 3:⁠15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ