ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/97 ገጽ 1
  • ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ መስክር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ መስክር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽትምስክር ትኽእል ኢኻ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ስሉጥ ዝኾነ ናይ መገዲ ምስክርነት ገይርካ ነቶም ተገደስቲ ምርካቦም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 7/97 ገጽ 1

ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ መስክር

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝነበሮ ግደ ኣፍልጦ ብምሃብ ከምዚ በለ:⁠- “ኣምላኽ . . . ኣብቈለ።” ወሲኹ ድማ “መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ። (1 ቈረ. 3:​5⁠-9) እዚ ዘደንቕ መሰል ኢዩ። መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃንና ከም እነማስወሉ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤተ⁠-ቤትን ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቦታታትን ዝረኸብናዮም ሰባት ነቲ ብስራት ብምእዋጅ ኢዩ።

2 “ደቀ መዛሙርቲ” ክንገብር ተኣዚዝና ኢና። (ማቴ. 28:​19) ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከሎና: ሒደት ሰባት ጥራይ እንተድኣ ረኺብና: ቀልጢፍና ተስፋ ንቘርጽ እሞ ብዙሕ ዘይዓመምና ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ብዙሓት ሰባት ምስ እንረክብን እነዘራርቦምን ንኣገልግሎትና ዝያዳ ንሕጐሰሉ። ናብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ ቦታታት ከይድና ምስኣቶም ክንራኸብ ምእንቲ ኽንክእል ብወገንና ገለ ተበግሶ ምውሳድ ዝሓትት ስለ ዝዀነ ግን: እዚ ነገር እዚ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

3 ተግባራዊ ኣብነታት:⁠- ኣብ ዕዳጋታት: መናፈሲ ቦታታት: መጸበዪ ቦታታት: ከምኡውን ኣብ ናይ መጓዓዝያ መዕረፊታት ንሰባት ክንምስክረሎም ንኽእል ኢና። ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ክትጥቀም ከሎኻ: ኣብቲ መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ድሉው ዲኻ፧ ኣብ ሓንቲ ጽቕጥቅጥ ዝበለት ኣውቶቡስ ናብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባኦም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ግዜ ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽ እናተመያየጡ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ናይ ገነት ስእሊ ንሓድሕዶም ክዘራረብሉ ጀመሩ። ከምቲ ትጽቢቶም ድማ: ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ሰብኣይ ጽን ኢሉ ሰምዖም: በቲ ዝሰምዖ ኸኣ ተመሰጠ። ካብታ ኣውቶቡስ ቅድሚ ምውራዱ: መጽሓፍ ወሰደ: ኣብ ገዝኡ ሰብ ክበጽሖ ድማ ሓተተ።

4 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ናይ እግረ⁠-መገዲ ምስክርነት ብምሃብ ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም። ሓንቲ ሓብቲ ሓደ መዓልቲ ናብቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ዕዳጋ ኸደት እሞ ነቶም ሸመታኦም ዝወድኡ ግናኸ ህዉኻት ዘይመስሉ ሰባት እናቐረበት ኣዘራረበቶም። ንዅሉ እቲ ኣብ ቦርሳኣ ዝነበረ ጽሑፋት ዓደለቶ። ሓደ ኣብ ማኪናኡ ኰይኑ ዝጽበ ዝነበረ ሰብኣይ ነቲ መጽሔታት ተሓጒሱ ተቐበላ። ቅድሚ ሕጂ ኣኼባታት ተኻፊሉ ነይሩ ኢዩ: እቲ ሕጂ ዘዕለልዎ ድማ ንተገዳስነቱ እንደገና ኣለዓዓሎ።

5 ንስም የሆዋ ምውዳስ መሰል ኢዩ። ነቲ ዕዮ ስብከት ዘሎና ቅንኢ ብምግላጽ: ንዕላማ ናይቲ ኣምላኽ ንዓና ዘርኣዮ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ከም ዘይሰሓትናዮ ነርኢ። ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ “እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ” ስለ ዝዀነት: ናብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ ንኺድ: ብዛዕባ እታ ናይ የሆዋ “መዓልቲ ምድሓን” ድማ ንመስክረሎም።​—⁠2 ቈረ. 6:​1, 2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ