ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/12 ገጽ 10
  • መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ህይወትኩም ከመይ ኪኸውን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ኤልሳቤጥ ወለደት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሰረገላታትን ዘውድን ኪሕልዉኻ እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ኣእዳውኩም ኣጽንዑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/12 ገጽ 10

መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧

ዑዝያ ወዲ 16 ዓመት ከሎ ናይ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ ንጉስ ኰነ። ካብ መወዳእታ ታሽዓይ ክሳዕ መጀመርታ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ንልዕሊ 50 ዓመት ነገሰ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።” ቅኑዕ መገዲ ንኺስዕብ ጽልዋ ዝገበረሉ እንታይ እዩ፧ እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዚነግረና: “እቲ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዚምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብሕይወት ከሎ [ዑዝያ] ንእግዚኣብሔር የገልግሎ ነበረ፥ ንእግዚኣብሔር ኬገልግሎ ኸሎ ኸኣ ኣምላኽ ዓወት ይህቦ ነበረ።”—2 ዜና መዋእል 26:1, 4, 5 ትርጕም 1990

ብዛዕባ ዘካርያስ እቲ ኣማኻሪ ንጉስ: ካብዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ወጻኢ ብዙሕ ዚፍለጥ ነገር የለን። ኰይኑ ግን: ዘካርያስ “ፍርሃት እግዚኣብሔር ዚምህሮ” ብምንባሩ: ነቲ መንእሰይ መራሒ ቕኑዕ ነገር ንኺገብር ጽቡቕ ጽልዋ ገይሩሉ እዩ። ዘ ኤክስፖዚቶርስ ባይብል: ዘካርያስ ብንጹር: “ብቕዱስ ትምህርቲ እተማህረ: ብመንፈሳዊ ተመክሮ ሃብታም: ከምኡውን ፍልጠቱ ኼካፍል ዚኽእል” ከም ዝነበረ ትገልጽ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ ዘካርያስ: “ብትንቢት ስልጡን ከምኡውን . . . ኣስተውዓልን ውፉይን ቅኑዕን ሰብኣይ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ድማ ንዑዝያ ዓብዪ ጽልዋ ዝገበረሉ እዩ ዚመስል” በለ።

ዑዝያ ዘርኣዮ ተኣማንነት ብዙሕ በረኸት ኣምጺእሉ እዩ፣ ‘ኣምላኽ ስለ ዝሓገዞ’ ኸኣ “ብዘይ ልክዕ በርትዔ።” እወ: እቲ ኣብ ዓለማዊ ጻዕርታቱ ዝረኸቦ ዓወት: ኣብቲ “ዘካርያስ ክሳዕ ዘሎ” ዚረኽቦ ዝነበረ መንፈሳዊ ዓወቱ ዚምርኰስ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 26:6-8) ዑዝያ ዕዉት ምስ ኰነ: ንትምህርታት እቲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ዘካርያስ ገደፎ። “ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።” ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮ ድርቅና: ብዜፈንፍን ሕማም ቈርበት ተወቒዑ ኻብ ሰብ ስለ ዝረሓቐ: ዳግም ምሉእ ብምሉእ ከም ንጉስ ኰይኑ ኼገልግል ኣይከኣለን።—2 ዜና መዋእል 26:16-21

መምህር ወይ ኣማኻሪ ኽትብሎ እትኽእል ‘ንኣምላኽ ንኽትደልዮ’ ጽልዋ ዚገብረልካ ሰብ ኣሎካዶ፧ እዚ ማለት ከኣ ንእሽቶ ኹን ዓብዪ: ወዲ ተባዕታይ ኩን ጓል ኣንስተይቲ ብዘየገድስ ኣማኻሪ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። እቲ ዚወሃበካ ምኽሪ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ስለ ዚኽእል: ንኣማኻሪኻ ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ኣሎካ። ነቲ ብሱል ክርስትያን ክትሰምዖን ንዚህበካ ምኽሪ ድማ ኣርዚንካ ኽትሓስበሉን ኣሎካ። ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ዚምህር’ ሰብ ካብ ዚህበካ ጥበብ ዝመልኦ ቓላት ፈጺምካ ኣይተግልስ።—ምሳሌ 1:5፣ 12:15፣ 19:20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ