ኵሉ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧
“መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተመሳቐለ ቓላት ንምምላስ ወይ ከኣ ኣብ ተለቪዥን ንዚመሓለፍ ሕቶን መልስን ንምስዓር ዚሕግዝ ዘይረብሕ ሓሳብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ሰባት ዚኸውን ግብራዊ ጥቕሚ የብሉን።”
“ከም መስመር ወለዶ፡ ድንግልና፡ ከምኡውን ከም ፍርሃት ኣምላኽ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ነገራት፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ መበል ዕስራን ሓደን ዘመን ግን ብዙሕ ጥቕሚ የብሉን።”
“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገና ኸይተሓትመ ኸሎ እዩ ግዜኡ ሓሊፍዎ።”
እዚ ርእይቶታት እዚ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎን ዘይጠቅምን ድዩ፧” ካብ ዘርእስቱ ኣብ ኢንተርነት ዝሰፈረ ጽሑፍ እተረኽበ እዩ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ምስዚ ሓሳብ እዚ ትሰማማዕ ዲኻ፧
ምስቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዚነጽግዎ ሰባት ዘይትሰማማዕ ክትከውን ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ኵሉ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ እንተ ዀይኑ ግን ትጠራጠር ትኸውን። ከመይሲ፡ እቲ መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያን ዚጥቀማሉ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ከምኡውን ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ፣ እዚ ኸኣ ልዕሊ 75 ሚእታዊት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሉይ ወይ ከኣ ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተሓቢሩ ዘሎ መስዋእቲ እንስሳታት ዜቕርብ ሰብ እንተ ዘየልዩ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዚርከብ ብዛዕባ መስዋእትታት ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ምዕቃብ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ (ዘሌዋውያን 1:1–7:38) እቲ ኣብ መእተዊ ምዕራፋት ቀዳማይ ዜና መዋእል ዚርከብ ዳርጋ መብዛሕትኡ ብዛዕባ መስመር ወለዶ ዚገልጽ ሓሳብከ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (1 ዜና መዋእል 1:1–9:44) ኣብዚ ግዜና ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ነዚ ምዕራፋት ብምንባብ ንመስመር ወለዶኡ ዘይረኽቦ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ዝርዝር ስማት ምህላዉ እንታይ ይዓብስ፧
ካብ ሓንቲ ተኽሊ ኣራንሺ፡ ሓንቲ ፍረ ወሰድካ ንበል። ድሕሪኡ እታ ተኽሊ ጥቕሚ የብላን ማለት ድዩ፧ ዝያዳ ፍረ ኣራንሺ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ እታ ተኽሊ ጥቕሚ ኣለዋ። ብገለ መዳያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምታ ተኽሊ ኣራንሺ እዩ። ከም መዝሙርን ከምቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከትን ዝኣመሰለ እተወሰነ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብቐሊሉ ዚርከብን “ምቁርን” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ኽፋላት እዚ ልክዕ ከም ምቁር ፍረ ንፈትዎ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ዝተረፈ ኸም ዘይጠቅም ጌርና ኢና እንርእዮ ማለት ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ይብል፧
ኣብ ከባቢ 65 ድ.ክ. ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካልአይቲ መልእኽቲ ኺጽሕፈሉ ኸሎ፡ “ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” ኢሉ ኣዘኻኸሮ። ቀጺሉ ድማ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15-17) ጳውሎስ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧
ጢሞቴዎስ ‘ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ’ ን“ቕዱሳት ጽሑፋት” ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ኣስተብህል። ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዚኣምኑሉ፡ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ኽትጸሓፍ ከላ ጢሞቴዎስ ኣብ 30ታት ዕድመኡ እንተ ነይሩ፡ የሱስ ኪመውት ከሎ ቘልዓ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ኽፋል ሓድሽ ኪዳን ወይ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣይተጻሕፈን ነይሩ። ኣደ ጢሞቴዎስ ኣይሁዳዊት ብምንባራ፡ ንወዳ ብብሉይ ኪዳን ወይ ብቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ገይራ ትምህሮ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1) ስለዚ እምበኣር፡ ጳውሎስ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ኪብል ከሎ፡ ነቲ ብዛዕባ መስዋእትታት ዚገልጽ ስርዓታትን መስመር ወለዶን ዝሓዘ ብሉይ ኪዳን እውን የመልክት ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።
ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ዚጸሓፍ ልዕሊ 1,900 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብእተፈላለየ መገዲ ይጠቕመና እዩ። ቅድም ቀዳድም፡ ኣምላኽ በቶም ዝመረጾም ሰባት ገይሩ እንተ ዘየጽሕፎን እንተ ዘይዕቅቦን ነይሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይምሃለወናን። (ሮሜ 3:1, 2) ንጥንታውያን እስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ሙሴ፡ ነቶም ዚመጹ ወለዶታት ተባሂሉ እተዓቀበ ቕዱስ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቅዋም እታ ሃገር እውን እዩ ነይሩ። እቲ ኣብዚ ግዜና ዘየገድስ ዚመስል ሕጊ፡ ንህላወን ምሕደራን ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መስመር ወለዶ፡ ነቲ ብቐጥታ ኻብ መስመር ንጉስ ዳዊት ከም ዚመጽእ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ንምልላይ ኣድላዪ እዩ ነይሩ።—2 ሳሙኤል 7:12, 13፣ ሉቃስ 1:32፣ 3:23-31።
ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣብቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግን እምነት ኬሕድሩ ኣለዎም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂቡ ዚርከብ ጥንታዊ መስመር ወለዶ፡ የሱስ ብሓቂ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ወዲ ዳዊት” ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ብዛዕባ መስዋእትታት ዚገልጽ ዝርዝር መግለጺታት ድማ ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ መስዋእቲ ንኸነማስወሉ ይድርኸናን ኣብቲ ዋጋኡ እምነት ከም እነሕድር ይገብረናን እዩ።—እብራውያን 9:11, 12።
ጳውሎስ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሮሜ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺጽሕፈላ ኸሎ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” በለ። (ሮሜ 15:4) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠቕመና ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንጥቕምና ጥራይ ከም ዘይተጻሕፈ እያ እትሕብር። ከመይሲ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት፡ ንልዕሊ 3,500 ዓመት፡ ኣብ በረኻ ሲና፡ ኣብታ ምድሪ ተስፋ፡ ኣብ ምርኮ ባቢሎን፡ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ንዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕዎምን ኣሪምዎምን እዩ፣ ኣብዚ ግዜና እውን ከምኡ ይገብር ኣሎ። ከምዚ ኺገብር ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ የልቦን። ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ጥቕሚ፡ ልክዕ ከም ሰራውር ተኽሊ ኣራንሺ ብቐሊሉ ኣይረኣየናን ይኸውን። ዝያዳ ምስ እንዅዕት ግን ብዙሕ ዓስቢ ኢና እንረክብ።
ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧
● ጢሞቴዎስ ካብ መዓስ ጀሚሩ እዩ ነተን “ቅዱሳት ጽሑፋት” ዝፈለጠን፧—2 ጢሞቴዎስ 3:15።
● መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ዝዀነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧—2 ጢሞቴዎስ 3:16።
● ካብቲ “ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ” ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ሮሜ 15:4።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ነቲ የሱስ ዝገበሮ መስዋእቲ ንኸነማስወሉ ይድርኸና