ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/3 ገጽ 32
  • የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ሃበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ሃበ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/3 ገጽ 32

የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ሃበ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ኺነግሮም ከሎ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በሎም። (ማቴዎስ 20:28) ንጥቕሚ ኻልኦት ኢሉ ብፍታው ህይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ።

የሱስ ብሞቱ ኣቢሉ በጃ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ህይወቱ ምእንቲ መን እዩ ሂቡ፧ ሞቱ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ መልሲ ንኽትምርምር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሳታቶም ክትእከብ ብኽብሪ ይዕድሙኻ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እቲ ዝኽሪ ሞት የሱስ ሰሉስ 30 መጋቢት ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ እዩ ዚውዕል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኺወሃቦ እዩ።

ኣብቲ ዚቐርበካ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከሶም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ