መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ድዩ፧
“እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17።
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥቕሚ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓያል ቃላት ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ሕጂ ሰባት ብሉይ ኪዳን ዚብልዎ ጽሑፋት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብመሰረቱ ግን፡ እዚ ቓላቱ ንዅለን እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ 66 መጻሕፍቲ፡ እንተላይ ነተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ብእሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተጻሕፋ ዚምልከት እዩ።
ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ጳውሎስ፡ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ከም ዝጸሓፍዎ ዲኻ እትኣምን፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምኡ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እዚ እምነት እዚ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዘመናት እውን ቀጺሉ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 14 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጆን ዊክሊፍ ዚበሃል እንግሊዛዊ ቐሺ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም “ዘይጋገ ስርዓት ሓቂ” ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ዘ ኒው ባይብል ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቓላት ጳውሎስ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ እውን፡ ንዅሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ውሕስነት ዚኸውን እዩ” በለ።
ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኣሎ
ኣብ ቀረባ ግዜያት ግን፡ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ምትእምማን ይንኪ ኣሎ። ዘ ዎርልድስ ረሊጅንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብኽልሰ-ሓሳብ፡ ኵሎም ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ተግባራቶም ዚመርሑሉን እምነቶም ዚስርትሉን ከም ዝዀነ ገይሮም ይቕበልዎ እዮም” በለት። ብግብሪ ግን፡ ከምኡ ገይሮም ኣይቅበልዎን እዮም። ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዘየተኣማምን ልምዲ ደቂ ሰብ” ዝሓዘ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳውያን ሰባት ምዃኖም እኳ እንተ ተኣመኑ፡ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግላጽ እተቓለሱ፡ ግን ከኣ እዚ ሕጂ ዘሎና ፍልጠት ዚጐድሎም ጌገኛታት ሰባት ጥራይ ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም።
ከም ሓቂ፡ ኣብዚ ግዜና፡ ሓሳባቶምን ተግባራቶምን ብመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምራሕ ዚገብሩ፡ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም። ንኣብነት፡ ክንደይ ሳዕ ኢና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም ግዜኡ ዝሓለፎን ዘይግብራውን ጌርካ ኺዝረበሉ እንሰምዕ፧ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዚጥዕሞም ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ይምህሩ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ገሊኦም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዝርን ዝሙትን ስርቅን ስኽራንን ዚህቦ መምርሒ ግዲ ኣይገብሩሉን እዮም።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10።
ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ሰር ቻርለስ ማርስተን ዚበሃል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ፡ ኣብታ ዘ ባይብል ኢዝ ትሩ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ሓደ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። ሰባት ነቲ ንንጽህና መጽሓፍ ቅዱስ ዜጥቅዕ “ዘመናውያን ጸሓፍቲ ዝጸሓፍዎ ሓያሎ ግምታት ብዘይምጕርምራም ይቕበልዎ እዮም” በለ። ሎሚኸ ኸምኡ ድዩ ዘሎ፧ ንርእይቶታትን ንኽልሰ-ሓሳባትን እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበረካ ምትእምማን ዜዳኽሙ ምሁራት ብኸመይ ክትርእዮ ኣሎካ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እትብል ንርአ።