ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/3 ገጽ 24-25
  • ካብ ምሕረት ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ምሕረት ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሑትን ተባዕን ሰብኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/3 ገጽ 24-25

ንመንእሰያት

ካብ ምሕረት ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርቲ

ዮናስ—2ይ ክፋል

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዮናስ 3:1–4:11 ኣንብብ።

ዮናስ ናብ ከተማ ነነዌ ኺኣቱ ኸሎ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧

․․․․․

ዮናስ ብዛዕባ ፍርዲ የሆዋ ኺእውጅ ከሎ እንታይ ዓይነት ቃና ድምጺ ዝነበሮ ይመስለካ፧

․․․․․

ዮናስ ካብታ ኸተማ ምስ ወጸ፡ እንታይ ዘይምሹእ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ዮናስ 4:5-8 ርአ።)

․․․․․

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ዮናስ፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ነነዌ ኸም ዚወርድ እተነበዮ ጥፍኣት ኪፍጸም ዝደለየ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

․․․․․

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ምርምር ንምግባር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ (1) ከተማ ነነዌ እንታይ ትመስል ከም ዝነበረት (2) ንጉስ ነነዌ፡ ክሻ ተኸዲኑ ኣብ ሓመዅስቲ ምቕማጡ ብዛዕባ ዝነበሮ ትርጕም ክትፈልጥ ፈትን።

․․․․․

ዮናስ ናብ ነነዌ ኼድካ ምንባይ ኣብ ፈለማ ኣፍሪህዎ እኳ እንተ ነበረ፡ እሙንን ተባዕን ነብዪ እዩ ነይሩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 21:28-31)

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ደቂ ሰብ ካብ እኩይ ኣነባብራኦም ኪምለሱ ዘለዎም ተኽእሎ።

․․․․․

ምሕረት የሆዋ።

․․․․․

መሓርቲ ኽንከውን ዜድልየሉ ምኽንያት።

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ንምግባር፡ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 14-18 ርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት፡ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ