ንመንእሰያት
ካብ ምሕረት ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርቲ
ዮናስ—2ይ ክፋል
መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።
1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዮናስ 3:1–4:11 ኣንብብ።
ዮናስ ናብ ከተማ ነነዌ ኺኣቱ ኸሎ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧
․․․․․
ዮናስ ብዛዕባ ፍርዲ የሆዋ ኺእውጅ ከሎ እንታይ ዓይነት ቃና ድምጺ ዝነበሮ ይመስለካ፧
․․․․․
ዮናስ ካብታ ኸተማ ምስ ወጸ፡ እንታይ ዘይምሹእ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ዮናስ 4:5-8 ርአ።)
․․․․․
2 ዝያዳ ምርምር ግበር።
ዮናስ፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ነነዌ ኸም ዚወርድ እተነበዮ ጥፍኣት ኪፍጸም ዝደለየ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
․․․․․
በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ምርምር ንምግባር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ (1) ከተማ ነነዌ እንታይ ትመስል ከም ዝነበረት (2) ንጉስ ነነዌ፡ ክሻ ተኸዲኑ ኣብ ሓመዅስቲ ምቕማጡ ብዛዕባ ዝነበሮ ትርጕም ክትፈልጥ ፈትን።
․․․․․
ዮናስ ናብ ነነዌ ኼድካ ምንባይ ኣብ ፈለማ ኣፍሪህዎ እኳ እንተ ነበረ፡ እሙንን ተባዕን ነብዪ እዩ ነይሩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 21:28-31)
․․․․․
3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦
ደቂ ሰብ ካብ እኩይ ኣነባብራኦም ኪምለሱ ዘለዎም ተኽእሎ።
․․․․․
ምሕረት የሆዋ።
․․․․․
መሓርቲ ኽንከውን ዜድልየሉ ምኽንያት።
․․․․․
4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
․․․․․
ዝያዳ ምርምር ንምግባር፡ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 14-18 ርአ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት፡ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ