ንኣምላኽ ቅረቦ
“ልቢ እዩ ዚርኢ”
ደጋዊ ትርኢት ኬታልል ይኽእል እዩ። ደጋዊ ትርኢት ሓደ ሰብ፡ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ውሽጣዊ እንታይነቱ ኸይገልጽ ይኽእል እዩ። ሰባት ኣብቲ ብዓይኖም ዚርእይዎ ነገር ተመርኲሶም እዮም ዚፈርዱ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ኣምላኽ ክንዮ እቲ ደጋዊ ትርኢት ዚርኢ ምዃኑ ባህ ዜብል እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 16:1-12 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ብንጹር ኪርአ ይከኣል እዩ።
ነዚ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ሓድሽ ንጉስ ኪቐብእ ደልዩ ነበረ። ንነብዪ ሳሙኤል ድማ፡ “ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ አሎኹ” በሎ። (ቍጽሪ 1) የሆዋ፡ እቲ እተሓርየ ሰብ ካብ ደቂ እሴይ ከም ዚኸውን እምበር፡ ስሙ መን ምዃኑ ኣይሓበረን። ሳሙኤል ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ከሎ፡ ‘እቲ የሆዋ ዝሓረዮ ወዲ እሴይ ኣየናይ ኰን ይኸውን፧’ ኢሉ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ሳሙኤል ናብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሐ፡ እሴይን ደቁን ምስኡ ሓቢሮም መስዋእቲ ኺስውኡ ምድላው ገበረ። ንኤልያብ እቲ ዓብዪ ወዲ እሴይ ምስ ረኣዮ ድማ ብትርኢቱ ኣዝዩ ተሳሕበ። ሳሙኤል፡ ኤልያብ ንንግስና ዚበቅዕ ትርኢት ዘለዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ “እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ አሎ” በለ።—ቍጽሪ 6።
ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚርኢ። ስለዚ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት” በሎ። (ቍጽሪ 7) እወ፡ የሆዋ ብናይ ኤልያብ ቍመናን ጽባቐን ኣይተሳሕበን። ከመይሲ፡ እተን ኵሉ ዚርእያ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ጽባቐ ዚንጸባረቐሉ ውሽጣዊ መንነት ሓደ ሰብ እየን ዚርእያ።
የሆዋ ንሳሙኤል፡ “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ኢሉ ገለጸሉ። (ቍጽሪ 7) እወ፡ የሆዋ ንልቢ፡ ማለት ነቲ ናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ስምዒትን ዚምንጭወሉ ውሽጣዊ እንታይነት እዩ ዚርኢ። እቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ኣምላኽ፡ ንኤልያብ ኰነ ነቶም ሽዱሽተ ደቂ እሴይ ነጸጎም።—ምሳሌ 17:3።
እሴይ፡ ዳዊት ዚበሃል ‘ኣባጊዕ ዚሕሉ’ ንእሽቶ ውሉድ ነበሮ። (ቍጽሪ 11) ድሕሪኡ፡ ንዳዊት ካብ መሮር ጸዊዖም ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ደው ኣበልዎ። የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ” በሎ። (ቍጽሪ 12) ልክዕ እዩ፡ ዳዊት፡ ብዓል “ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ” እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ከም ዚረክብ ዝገበሮ፡ ውሽጣዊ እንታይነቱ እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 13:14።
እዛ ሎሚ ዘለናላ ዓለም ንደጋዊ ጽባቐ ዝያዳ ትዅረት ትህብ እኳ እንተ ዀነት፡ የሆዋ ኣምላኽ ግን ብደጋዊ ትርኢት ከም ዘይጽሎ ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። የሆዋ ቍመናኻን ጽባቐኻን ዘይኰነስ፡ ልብኻ፡ ማለት ውሽጣዊ እንታይነትካ እዩ ዜገድሶ። እዚ ምፍላጥካስ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምልኩዕ ኪገብረካ ዚኽእል ባህርያት ንኸተማዕብል ደይኰነን ዚድርኸካ፧