ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/10 ገጽ 11
  • 7 ኣምላኽ ይሰምዖን ይምልሶን ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 7 ኣምላኽ ይሰምዖን ይምልሶን ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/10 ገጽ 11

ጸሎት

7 ኣምላኽ ይሰምዖን ይምልሶን ድዩ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ናይ ምፍላጥ ህንጥዮት እተለዓዕል ሕቶ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ነቲ ሎሚ ዚቐርብ ጸሎት ከም ዚሰምዖ እዩ ዚሕብር። ጸሎትና ንኺሰምዖ ወይ ንኸይሰምዖ ብዓብዪኡ ኣባና እተመርኰሰ እዩ።

የሱስ ነቶም ብግብዝና ዚጽልዩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኰነኖም፣ ከመይሲ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ጻድቃን መሲሎም ኪረኣዩ ጥራይ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ፡ “ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡” ማለት ነቲ ኻብ ሰብ ኪረኽብዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ኣቓልቦ ኸም ዝረኸቡ ገለጸ፣ ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን። (ማቴዎስ 6:5) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ሰባት ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ኣብ ድሌቶም ተመርኲሶም እዮም ዚጽልዩ። ነቲ እተመያየጥናሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ስለ ዚብልዎ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንጸሎትካ ይሰምዖን ይምልሶን ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ዓሌትካ፡ ኣብ ዜግነትካ፡ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ደረጃኻ እተመርኰሰ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” መረጋገጺ ይህበና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ከምቲ ኣብዛ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ትገብር ዲኻ፧ ፍርሃት ኣምላኽ እንተ ኣልዩካ፡ ንዕኡ ኣኽቢርካ ትርእዮን ከይተጕህዮ ትጥንቀቕን ኢኻ። ቅንዕና ወይ ጽድቂ ትገብር እንተ ዄንካ ድማ፡ ንፍቓድካ ወይ ንፍቓድ ሰባት ዘይኰነስ፡ ነቲ ቕኑዕ እንታይ ምዃኑ ዚገልጽ ኣምላኽ ዘውጸኦ መለክዒ ኢኻ እትስዕብ። ኣምላኽ ንጸሎትካ ኺሰምዖ ትደሊዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዚሰምዖ ጸሎት ብኸመይ ከተቕርብ ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ።a

ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ብተኣምራዊ መገዲ ኺምልሰሎም ይደልዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ኣብ ሒደት ኣጋጣሚታት ጥራይ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓደ ብተኣምራዊ መገዲ መልሲ እተዋህበሉ ጸሎት ክሳዕ እቲ ቐጺሉ ዘሎ፡ ዘመናት ይሓልፍ ነበረ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ተኣምራት ዚግበረሉ ዝነበረ እዋን፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ከም ዘብቅዐ ይሕብር እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:8-10) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ኣይምልሶን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ገለ ኻብቲ ንሱ ዚምልሶ ጸሎት እስከ ንርአ።

ኣምላኽ፡ ጥበብ ይህብ። የሆዋ እቲ ዝለዓለ ምንጪ ዅሉ ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። ነቶም መምርሒኡ ዚደልዩን ብእኡ ዚምርሑን ድማ፡ ነዚ ጥበብ እዚ ብልግሲ ይህቦም።—ያእቆብ 1:5።

ኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስናይ ጥቕሙ ይህብ። መንፈስ ቅዱስ፡ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዚሕይል የልቦን። ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ክንጭነቕ ከለና፡ ሰላም ይህበና። ተበሃግን ተፈታውን ባህርያት ንኸነማዕብል እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ኣምላኽ ነዚ ውህበት እዚ ብልግሲ ኸም ዚህብ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ኣረጋገጸሎም።—ሉቃስ 11:13።

ኣምላኽ ነቶም ካብ ልቦም ዚደልይዎ፡ ፍልጠት ይህቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ኣብ መላእ ዓለም፡ ካብ ልቦም ሓቂ ኺረኽቡ ዚደልዩ ሰባት ኣለዉ። ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ማለት ብዛዕባ ስሙን ብዛዕባ እቲ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም፣ ብኸመይ ንዕኡ ኪቐርብዎ ኸም ዚኽእሉ እውን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። (ያእቆብ 4:8) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ይራኸቡን ንዚቐርበሎም ሕቶታት ተሓጒሶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምልሱን እዮም።

ንስኻኸ ሓቂ ኽትረክብ ኢልካ ዲኻ ነዛ መጽሔት ተቐቢልካያ፧ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ዲኻ እትጽዕር ዘለኻ፧ ምናልባት በዛ መጽሔት እዚኣ ኣቢሉ ንጸሎትካ ይምልሶ ይህሉ ይኸውን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ ዚሰምዖ ጸሎት ብኸመይ ከተቕርብ ከም እትኽእል ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ