ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 1 ገጽ 5-7
  • ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ።
  • ኣምላኽ ናብኡ ኽትጽሊ ይደልየካ እዩ።
  • ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ።
  • “ድምጸይ . . . ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ አፍቅሮ እየ”
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 1 ገጽ 5-7
ሓንቲ ጐርዞ ፍሽኽ ትብል።

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።”—ያእቆብ 4:8

ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧

‘ኣምላኽ እምበርዶ ንጸሎተይ ይሰምዖ እዩ፧’ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ ከምኡ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ በይንኻ ኣይኰንካን። ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ገለ ጸገማት ናብ ኣምላኽ ጸልዮም ኬብቅዑ፡ እቲ ጸገማት ግና ኣይተወገደን። እሞ ደኣ፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ምላሽ ከም ዘይህበሉ ዜርኢ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ናብኡ ምስ እንጽሊ ኸም ዚሰምዓና፡ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ቀጺልና፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንርአ።

ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ።

“ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”—መዝሙር 65:2።

ገሊኦም ብሓቂ ዚሰምዕ ኣካል ከም ዘሎ ዘይኣምኑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጽቡቕ ስለ ዚስምዖም ግና ይጽልዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ጸሎት ንጸገማትና ዜደዓዕስ ጽቡቕ ስምዒት ዚፈጥር ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋa ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ። . . . ኣውያቶም ይሰምዕ” ብምባል የረጋግጸልና።—መዝሙር 145:18, 19።

ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎት ኣምለኽቱ ኸም ዚሰምዕ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሱ ብፍቕሪ፡ “ክትጽውዑንን ናባይ መጺእኩም ክትጽልዩን ኢኹም፣ ኣነ እውን ክሰምዓኩም እየ” ኢሉ ኣሎ።—ኤርምያስ 29:12።

ኣምላኽ ናብኡ ኽትጽሊ ይደልየካ እዩ።

ሓደ ኣቦ ጥቓ እታ መጻወቲ ዝሓዘት ንእሽቶ ጓሉ ኾፍ ኢሉ።

“ብጸሎት ጽንዑ።”—ሮሜ 12:12።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብቐጻሊ ጸልዩ፡” “ኵሉ ሳዕ . . . ጸልዩ” ዚብል መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ኣምላኽ ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና እዩ።—ማቴዎስ 26:41፣ ኤፌሶን 6:18።

ኣምላኽ ናብኡ ኽንጽሊ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ ውሉዱ፡ ‘ባባ ኽትሕግዘኒዶ፧’ ኪብሎ ዘይደሊ ወላዲ እሞ መን ኣሎ፧ መቸም ሓደ ኣቦ ውሉዱ እንታይ ከም ዜድልዮ፡ ወይ እንታይ ከም ዚስምዖ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ። እዚ ቓላት እዚ ኻብ ውሉዱ ኺሰምዕ ከሎ ግና፡ ውሉዱ ብእኡ ኸም ዚእመንን ከም ዚቐርቦን እዩ ዜርእዮ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውና ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸለና፡ ንየሆዋ ብእኡ ኸም እንእመንን ክንቀርቦ ኸም እንደልን ኢና እነርእዮ።—ምሳሌ 15:8፣ ያእቆብ 4:8።

ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ።

ሓደ ዝጐሃየ ሰብኣይ ኣብ ኣስካላ ኾፍ ኢሉ። ኣብ ስራሑ ዚጥቀመሉ ናውቲ ኣብ ካርቶን ሒዙ።

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7።

ኣምላኽ ስለ ዜፍቅረናን ስለ ዚሓልየልናን ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና እዩ። ብዛዕባ ጸገማትናን ዜጨንቐና ነገራትን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ ኪሕግዘና ኸኣ ይደሊ እዩ።

ንጉስ ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ሓገዝ ኪረክብ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ይጽሊ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ከኣ ይገልጸሉ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 23:1-6) ኣምላኽ ብዛዕባ ዳዊት እንታይ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧ ኣምላኽ ንዳዊት ይፈትዎ፡ ንጸሎቱ ኸኣ ይሰምዖ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ስለ ዚሓልየልና ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ።

“ድምጸይ . . . ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ አፍቅሮ እየ”

እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ዀይነን፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝጸሓፈን እየን። እቲ ጸሓፊ፡ ኣምላኽ ንጸሎቱ ኸም ዚሰምዖ ርግጸኛ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣጸቢቑ ሓጊዝዎ እዩ። ንኣምላኽ ከም ዝቐረቦ ዀይኑ ተሰሚዕዎ፡ ኣብ ህይወቱ ንዘጋጠሞ ጭንቅን ጓህን ኪዋጽኣሉ ኸኣ ሓይሊ ረኺቡ እዩ።—መዝሙር 116:1-9።

ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ርግጸኛታት እንተ ደኣ ዄንና፡ ወትሩ ናብኡ ኽንጽሊ ኢና። ተመክሮ ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ስጳኛ ዚነብር ፔትሮ ዝስሙ ሰብኣይ ንርአ። ፔትሮ ወዲ 19 ዓመት ዝዀነ ወዱ ብሓደጋ መኪና ሞይትዎ እዩ። ብሓዘን ምስ ተዋሕጠ፡ ንኣምላኽ ናይ ልቡ ኣፍሲሱሉ፡ ምጽንናዕን ደገፍን ኪረክብ ከኣ ብተደጋጋሚ ጸልዩ እዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ፔትሮ፡ “የሆዋ ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ፡ ንዓይን ንብዓልቲ ቤተይን ምጽንናዕን ደገፍን ብምሃብ ንጸሎተይ መሊስዎ እዩ” በለ።

ሓደ ብሓዘን እተዋሕጠ ሰብኣይ፡ ስእሊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ፈተውቱ ኸኣ የጸናንዕዎ።

ጸሎትና፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፈተውትና ብዚህቡና ምጽንናዕን ደገፍን ይምለስ እዩ

ፔትሮ ብምጽላዩ ወዱ እኳ እንተ ዘይተንስአ፡ ጸሎት ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ብኣገዳሲ መዳያት ሓጊዝዎም እዩ። ብዓልቲ ቤቱ ማርያ ካርመን ከኣ፡ “ጸሎት ሓዘነይ ክጻወር ሓጊዙኒ እዩ። ክጽሊ ኸለኹ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚርድኣለይ እፈልጥ እየ። ውሽጣዊ ሰላምን ህድኣትን ከኣ ይስምዓኒ እዩ” በለት።

መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ብሕትና ተመክሮን ከም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ጸሎት ከም ዚሰምዕ ንጹር እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ከም ዘይምልሶ እውን ንጹር እዩ። ኣምላኽ ንገሊኡ ጸሎት ዚምልሶ ንገሊኡ ግና ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ