መእተዊ
ኣምላኽ ንጸሎትካ ኸም ዘይሰምዖ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ሓገዝ ኪረኽቡ ናብ ኣምላኽ ጸልዮም ክንሶም፡ ጸገማቶም ግና ኣይተፈትሐን። ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል፡ ገሊኡ ጸሎት ስለምንታይ ከም ዘይተመለሰ፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።