ትፈልጥዶ፧
ቅረማ ኸመይ እዩ ነይሩ፧ ካብኡ ዚጥቀሙ ዝነበሩኸ መን እዮም፧
▪ ሕጊ ሙሴ፡ ሓረስቶት ንዅሉ ምህርቲ ግራቶም ምሉእ ብምሉእ ከይዓጽዱ ይኽልክል ነበረ። እቶም እኽሊ ዚዓጽዱ ዓጻዶ፡ ነቲ ደረት ግራቶም ፈጺሞም ኪዓጽዱ ኣይነበሮምን። እቶም ወይኒ ዚእክቡ ድማ፡ ነቲ ዝተረፈ በብሓደ ኺኣርዩ፡ ወይ ነቲ ኸይበሰለ ዝጸንሐ ንኪቕንጥቡ እንደገና ኺምለሱ ኣይነበሮምን። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣውልዕ ዜርግፉ፡ ካብቲ ኦም ንዘይረገፈ ፍረ ኺሓድግዎ ነበሮም። (ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ ዘዳግም 24:19-21) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ድኻታትን ዘኽታማትን መበለታትን ስደተኛታትን፡ ነቲ ዝተረፈ ምህርቲ ኪቕርሙ ወይ ኪኣርዩ ይኽእሉ ነበሩ።
እዚ ንቕረማ ዚምልከት ሕጊ፡ ንዅሉ ሕብረተሰብ እስራኤል ዚጠቅም እዩ ነይሩ። ነቲ ብዓል ግራት፡ ለጋስን ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን ኣብ በረኸት ኣምላኽ ዚውከልን ምዃኑ ንኼርኢ የኽእሎ ነበረ። ቅረማ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ዚሓትት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ነቶም ዚቕርሙ፡ ትጉሃት ንኪዀኑ የተባብዖም ነበረ። (ሩት 2:2-17) እቶም ድኻታት ንኸይጠምዩ፡ ወይ ሰኸም ሕብረተሰብ ንኸይኰኑ እውን ይሕግዝ ነይሩ እዩ። ንኺልምኑ ስለ ዘይግደዱ፡ ዘይረብሑ ዀይኑ ንኸይስምዖም፡ ወይ ተመጽወትቲ ጥራይ ንኸይኰኑ ይከላኸል ነበረ።
ሰሎሞን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ዚኸውን ኣእዋም፡ ካብ ሊባኖስ ዘምጽአ ስለምንታይ እዩ፧
▪ እቲ ኣብ 1 ነገስት 5:1-10 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሎሞንን ሒራም ንጉስ ጢሮስን ብዛዕባ እተገብረ ውዕል ይነግረና እዩ። ብመሰረት እቲ ውዕል ከኣ፡ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዚኸውን ኣእዋም ቄድሮስን ኣእዋም ጽሕድን፡ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ተጓዒዙ ናብ እስራኤል ኪመጽእ ነበሮ።
ቄድሮስ ዚበሃል ዓይነት ጽሕዲ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ኣገዳሲ ኣቕሑ ንግዲ እዩ። እዚ ኣእዋም እዚ፡ ኣብ ግብጽን መሶጶታምያን፡ ከም ኣግማልን መመላኽዕን ኣብያተ መቕደስን ኣብያተ-መንግስትን ይጥቀምሉ ነበሩ። መዛግብቲ ቤተ-መንግስትን ስነ-ጽሑፍን እተቐርጸ ጽሑፋትን ከም ዜረጋግጾ፡ ኣብ ደቡባዊ መሶጶታምያ ዝነበራ እተፈላለያ ዓድታት፡ እተማረኸ ወይ ከም ግብሪ እተኸፍለ ኣእዋም ቄድሮስ ብቐጻሊ ይረኽባ ነይረን እየን። ኣብ ግብጺ፡ ጃላቡ ነገስታትን ሳጹን ሬሳን ካልእ ምስ ቀብሪ ዚተሓሓዝ ኣቕሑን ንምስራሕ ይጥቀምሉ ነበሩ።
ብፍላይ ጽሕድታት ሊባኖስ፡ ሓሸራታት ዘይበልዕዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጽኑዕን ውቁብን ጽቡቕ መኣዛ ዘለዎን ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ተፈታዊ እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ፡ ብብሉጽ ኣቕሑ እዩ ሃኒጽዋ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብቲ ንኣኽራን ሊባኖስ ሸፊንዎ ዝነበረ ኣእዋም ቄድሮስ፡ ኣዝዩ ሒደት ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ጽሕዲ ሊባኖስ ኪጐዓዝ ከሎ፣ ኣብ ሳርጎን ካብ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ ኣሶር እተረኽበ ቕርጺ
[ምንጪ ስእሊ]
Erich Lessing/Art Resource, NY