ትሕዝቶ
15 መስከረም 2011
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
24-30 ጥቅምቲ 2011
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት፦ 38, 6
31 ጥቅምቲ 2011–6 ሕዳር 2011
ገጽ 11
ዚዝመር መዝሙራት፦ 40, 26
7-13 ሕዳር 2011
ገጽ 16
ዚዝመር መዝሙራት፦ 54, 24
14-20 ሕዳር 2011
ገጽ 20
ዚዝመር መዝሙራት፦ 54, 55
21-27 ሕዳር 2011
ገጽ 25
ዚዝመር መዝሙራት፦ 16, 4
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 7-15
የሆዋ ንሌዋውያን፡ “ግዴኻ . . . ኣነ እየ” ኺብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ዘሁ. 18:20) የሆዋ፡ ግደ ሌዋውያን ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ሎሚኸ ንዓና ግዴና ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ፧ እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚኣተን፡ የሆዋ ብኸመይ ግዴና ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጻ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 16-24
እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ኣብቲ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እንገብሮ ጕያ ብኸመይ ክንዕወት ከም እንኽእል ይሕብራ። ካበይ ኢና ደገፍን ምትብባዕን ክንረክብ እንኽእል፧ ካብ ከመይ ዝበለ ሓደጋታትን ዕንቅፋታትን ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ጕያና ንኽንውድእ ኪሕግዘና ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5 ገጽ 25-29
የሆዋ ንኣገልገልቱ ይፈልጦምን ስምረቱ ይህቦምን እዩ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ንኽንዕቅቦ፡ እንታይ ባህርያት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፍና ርእስና ንኽንምርምር ክትሕግዘና እያ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
3 ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምንጪ ብርታዐ ዀነኒ
30 በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ከም ፊንሃስ ክትከውን ትኽእልዶ፧