ትሕዝቶ
15 ጥቅምቲ 2011
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
28 ሕዳር 2011–4 ታሕሳስ 2011
ገጽ 8 ዚዝመር
መዝሙራት፦ 42, 14
5-11 ታሕሳስ 2011
ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን ጥበባዊ ምኽሪ
ገጽ 13
ዚዝመር መዝሙራት፦ 26, 36
12-18 ታሕሳስ 2011
ኣብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ተወከል
ገጽ 23
ዚዝመር መዝሙራት፦ 28, 48
19-25 ታሕሳስ 2011
ገጽ 27
ዚዝመር መዝሙራት፦ 38, 42
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 8-12
ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ጠቓሚ ዓይነት መዘናግዒ ኽንመርጽ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብኸመይ ብቑዕ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 13-17
ብዛዕባ ንጽል ኴንካ ምንባርን ብዛዕባ ሓዳርን እንገብሮ ውሳነታት ንህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እውን ይትንክፎ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ እተመርዓዉ ይኹኑ ዘይተመርዓዉ፡ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 7 ዚርከብ ኣገዳሲ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ትገልጽ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 23-31
ኣገልገልቲ የሆዋን ካልኦት ሰባትን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሕ ዜጕሂ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። ገለ ኻብዚ ዅነታት እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ዜድሊ መጸናንዒኸ ኻበይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧ እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚኣተን፡ የሆዋን መሰኻኽሩን ነቶም ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ እዋን ዚነብሩ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ከም ዜጸናንዕዎም ይገልጻ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
3 “ንቕሑ”—እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Globe: Courtesy of Replogle Globes