ኣብርሃም ትሑት
ኣብርሃም ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ኾፍ ኢሉ ነበረ። ብርሑቕ ድማ ናብቲ ቦታ ኺበጽሑ ኢሎም ዝመጹ ሰለስተ ሰብኡት ረኣየ።a ብኡብኡ ኸኣ ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ቤቱ ኣትዮም ቍሩብ ኬዕርፉ ኸኣ ለመኖም። “ቍራስ እንጌራ” ኸም ዜምጽኣሎም እኳ እንተ ነገሮም፡ ውዑይ እንጌራን ርግኦን ጸባን ጽቡቕ ብተይን ኣዳልዩ ኣቕረበሎም። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ንኣጋይሹ የአንግድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜደንቕ ትሕትና እውን እዩ ዜርኢ ነይሩ።—ዘፍጥረት 18:1-8።
ትሕትና እንታይ እያ፧ ትሕትና ኣንጻር ትዕቢትን ኵርዓትን እያ። ትሑት ሰብ፡ ካልኦት ብገለ ነገር ከም ዚበልጽዎ ይርዳእ እዩ። (ፊልጲ 2:3) ብዘይካዚ፡ ንርእይቶ ኻልኦት ይሰምዕን ምእንታኦም ኢሉ ብፍታው ትሑት ስራሕ ይሰርሕን እዩ።
ኣብርሃም ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣብርሃም ተሓጒሱ ንኻልኦት ኣገልገለ። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ኣብርሃም ነቶም ሰለስተ ኣጋይሽ ምስ ረኣዮም፡ ብኡብኡ ዜድልዮም ነገራት ገበረሎም። ሳራ ሰበይቱ ብቕልጡፍ ምግቢ ኸተዳሉ ጀመረት። ኰይኑ ግና፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ዕዮ መን ከም ዝዓየዮ እሞ ኣስተብህል፦ ነቶም ኣጋይሽ ኪቕበሎም ዝጐየየ፡ ገለ ነገር ኪበልዑ ዝዓደሞም፡ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ጽቡቕ ብተይ ዝመረጸ፡ ከምኡውን ነቲ እተዳለወ ምግቢ ዘቕረበ፡ ኣብርሃም እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቲ ዕዮ ኺዓይዎ ዚነግሮም፡ እዚ ትሑት ሰብኣይ እዚ ባዕሉ እዩ ነቲ ትሑት ዕዮ ዓይዎ። ንኻልኦት ምግልጋል ከም ውርደት ገይሩ ኣይረኣዮን።
ኣብርሃም ንርእይቶ ኻልኦት ሰምዐ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣብርሃምን ሳራን እተገብረ ዝርርብ ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብርሃም ክልተ ሳዕ ንርእይቶ ሳራ ሰሚዑ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ይሕብር እዩ። (ዘፍጥረት 16:2፣ 21:8-14) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ ሳራ ዝሃበቶ ርእይቶ ንኣብርሃም “ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዮ።” ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንርእይቶ ሳራ ብምድጋፍ ንኣብርሃም ምስ ተዛረቦ፡ ብትሕትና ተኣዘዘ፣ ከምቲ እተነግሮ ኸኣ ገበረ።
ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ብሓቂ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ተሓጕስና ንኻልኦት ከነገልግል ኢና። ንምሾት ካልኦት ሰባት ኢልና ዚከኣለና ኽንገብር ከለና ድማ፡ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።
ብዘይካዚ፡ ንርእይቶ ኻልኦት ብምስማዕ እውን ትሕትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ኻልኦት ዚህብዎ ርእይቶ ኻባና ብዘይምምንጫዉ ጥራይ ኣብ ክንዲ እንነጽጎ፡ እንተ ሰማዕናዮ ይሓይሽ። (ምሳሌ 15:22) ከምዚ ዓይነት ሰፊሕ ኣተሓሳስባ፡ ብሕልፊ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ። ጆን ዚብሃል ክኢላ ተቘጻጻሪ፡ “ንፉዕ ሓላፊ፡ ካልኦት ሰባት ርእይቶኦም ብናጽነት ከም ዚገልጹ እዩ ዚገብር” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣብ ትሕቴኻ ዘሎ ሰብ ካባኻ ብዚበልጽ መገዲ ኺሰርሕ ከም ዚኽእል ንምግንዛብ፡ ትሕትና ይሓትት እዩ። ብዘይካዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ እንተላይ ሓላፊ፡ ካልኦት እውን ጽቡቕ ሓሳብ ኬቕርቡ ኸም ዚኽእሉ ኺርዳእ ኣለዎ” በለ።
ንርእይቶ ኻልኦት ብምስማዕን ምእንታኦም ኢልና ትሑት ስራሕ ብምስራሕን ንኣብርሃም ንመስሎ እንተ ዄንና፡ ስምረት የሆዋ ኽንረክብ ኢና። ከመይሲ፡ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ።”—1 ጴጥሮስ 5:5።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንኣብርሃም ኣብ ፈለማ ኣይተረድኦን ደኣ እምበር፡ እቶም ኣጋይሽ፡ ካብ ኣምላኽ እተላእኩ መላእኽቲ እዮም ነይሮም።—እብራውያን 13:2።