ዛንታ 14
ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ይፍትን
ኣብርሃም ዝገብሮ ዘሎዶ ትርእዮ ኣለኻ፧ ካራ ሒዙ ኣሎ: ንወዱ ዝቐትሎ ኸኣ ኢዩ ዝመስል። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ፧ መጀመርታ: ኣብርሃምን ሳራን ብኸመይ ከም ዝወለዱ ንርአ።
ኣምላኽ ወዲ ከም ዝወልዱ ተመባጺዑሎም ከም ዝነበረ ዘክር። እዚ ግን ዘይከውን ኢዩ ዝመስል ነይሩ: ምኽንያቱ ኣብርሃምን ሳራን ኣዝዮም ኣሪጎም ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቲ ዘይከውን ዝመስል ክገብሮ ከም ዝኽእል ኣብርሃም ይኣምን ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እንታይ ኰነ፧
ኣምላኽ ድሕሪ ምምብጻዑ ሓደ ዓመት ሓለፈ። ብድሕርዚ ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት ምስ ኰነ ሳራ ኸኣ ጓል 90 ዓመት ምስ ኰነት: ይስሃቅ ዝስሙ ወዲ ወለዱ። ኣምላኽ መብጽዕኡ ፈጸመ!
ይስሃቅ ምስ ዓበየ ግን የሆዋ ንእምነት ኣብርሃም ፈተና። ኣምላኽ ‘ኣብርሃም’ ኢሉ ጸውዖ። ኣብርሃም ከኣ ‘እኔኹ’ ኢሉ መለሰ። ብድሕርዚ ኣምላኽ ‘ንወድኻ: ነቲ ሓደ ወድኻ ውሰድ እሞ: ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ከረን ኪድ። ኣብኡ ኸኣ ንወድኻ ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮ’ በሎ።
ኣብርሃም ንወዱ ኣዝዩ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ኣጕሂየንኦ ክዀና ኣለወን። ኣምላኽ ደቂ ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ከነኣን ከም ዝነበሩ ምምብጻዑ ዘክር። ይስሃቅ እንተድኣ ሞይቱ ግን እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧ ኣብርሃም ኣይተረድኦን: እንተዀነ ግን ንኣምላኽ ተኣዘዘ።
ናብቲ ከረን ምስ ከደ: ኣብርሃም ንይስሃቅ ኣሰሮ ኣብቲ ዘዳለዎ መሰውኢ ኸኣ ገበሮ። ብድሕርዚ ወዱ ንምቕታል ካራ ኣልዓለ። ኣብታ እዋን እቲኣ ግን መልኣኽ የሆዋ ‘ኣብርሃም: ኣብርሃም’ ኢሉ ጸውዖ። ኣብርሃም ከኣ ‘እኔኹ’ በለ።
ኣምላኽ ከኣ ‘ነዚ ውሉድ ኣይትጕድኣዮ ወይ ገለ ኣይትግበሮ’። ‘ነቲ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካኒ ከም እትኣምነኒ ሕጂ ፈሊጠ ኣሎኹ’ በሎ።
ኣብርሃምሲ ኣብ ኣምላኽ ከመይ ዝበለት ዓባይ እምነት ኰን ኢያ ነይራቶ! ንየሆዋ ዘይከኣሎ ነገር ከም ዘየለ: ከምኡውን የሆዋ ንይስሃቅ ካብ ምዉታት እውን ከይተረፈ ከተንስኦ ከም ዝኽእል ይኣምን ነበረ። እንተዀነ ግን: ኣብርሃም ንይስሃቅ ክቐትሎ ብሓቂ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይነበረን። ስለዚ ኣምላኽ ሓደ ድዑል ኣብቲ ጥቕኡ ብሓረግ ከም ዝተሓዝ ገበረ: ንኣብርሃም ከኣ ኣብ ክንዲ ወዱ ነቲ ድዑል ክስውእ ነገሮ።