ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 11 ገጽ 32-ገጽ 33 ሕ.ጽ. 2
  • ናይ እምነት ፈተና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ እምነት ፈተና
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ይፍትን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 11 ገጽ 32-ገጽ 33 ሕ.ጽ. 2
ኣብርሃምን ይስሃቅን ናብ ሞርያ ይኸዱ

ትምህርቲ 11

ናይ እምነት ፈተና

ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ፡ ንየሆዋ ኼፍቅሮን ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ቓል ኪኣምኖን መሃሮ። ይስሃቅ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ ግና፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ሓደ ኣዝዩ ኸቢድ ነገር ኪገብር ሓተቶ። እንታይ እዩ ኺገብር ሓቲትዎ፧

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ነቲ ሓደ ወድኻ ወሲድካ፡ ኣብ ምድሪ ሞርያ ኣብ ዚርከብ ከረን ሰውኣዮ’ በሎ። ኣብርሃም፡ የሆዋ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኸም ዘቕረበሉ ኣይተረድኦን ነይሩ። ግናኸ፡ ንየሆዋ ተኣዘዞ።

ኣብርሃም ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንይስሃቅን ንኽልተ ገላዉኡን ወሲዱ ድማ ናብ ሞርያ ኸደ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ እቲ ኣኽራን ብማዕዶ ተራእዮም። ኣብርሃም ከኣ ንገላዉኡ፡ ንሱን ይስሃቅን መስዋእቲ ኣቕሪቦም ክሳዕ ዚመጹ ኣብኡ ኺጽበዩ ነገሮም። ድሕሪኡ፡ ንይስሃቅ ዕንጨይቲ ኣሰከሞ፡ ኣብ ኢዱ እውን ካራ ሓዘ። ይስሃቅ ከኣ ንኣቦኡ፡ ‘እቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ኣብርሃም ድማ፡ ‘ወደየ፡ የሆዋ ኬቕርብ እዩ’ ኢሉ መለሰሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ ኸረን ምስ በጽሑ፡ መሰውኢ ሰርሑ። ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም ንይስሃቅ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲሩ ኣብቲ መሰውኢ በጥ ኣበሎ።

ይስሃቅ ተኣሲሩ ኣብ መሰውኢ በጥ ይብል፡ ኣብርሃም ከኣ ካራ ይሕዝ

ኣብርሃም ከኣ ካራ ኣልዓለ። ኣብታ ግዜ እቲኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ኻብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ‘ኣብርሃም፡ ነቲ ወዲ ኣይትጕድኣዮ! ንወድኻ ኽትስውእ ፍቓደኛ ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎካ ሕጂ ፈሊጠ’ በሎ። ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም፡ ኣቕርንቱ ኣብ ጣሻ እተታሕዘ ድዑል፡ ማለት ተባዕታይ በጊዕ ረኣየ። ሽዑ፡ ንይስሃቅ ቀልጢፉ ፈትሖ፣ ነቲ ድዑል ድማ ኣብ ክንዳኡ ሰውኦ።

ካብታ ዕለት እቲኣ ንደሓር፡ የሆዋ ንኣብርሃም ፈታውየይ ወይ ዓርከይ ኢሉ ጸውዖ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበሎስ ትፈልጥዶ፧ ኣብርሃም ከምቲ የሆዋ ዝደለዮ ዅሉ ገይሩ እዩ፣ ዋላ እኳ ስለምንታይ የሆዋ ኸምኡ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ እንተ ዘይተረድኦ፡ ከምኡ ገይሩ እዩ።

ኣብርሃም ንይስሃቅ ይፈትሖ

ድሕርዚ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ‘ክባርኸካ፡ ንዘርእኻ ማለት ንደቅኻ ኸብዝሖም እየ’ ኢሉ እውን ነቲ ዘተስፈዎ ቓል ደገመሉ። እዚ ኸኣ የሆዋ ብዓሌት ኣብርሃም ኣቢሉ ንዅሎም ሕያዎት ሰባት ከም ዚባርኾም የመልክት።

“ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።”—ዮሃንስ 3:16

ሕቶታት፦ ኣብርሃም ንየሆዋ ኸም ዚኣምኖ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣርእዩ፧ የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ኢሉ እዩ ኣተስፍይዎ፧

ዘፍጥረት 22:1-18፣ እብራውያን 11:17-19፣ ያእቆብ 2:21-23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ