የሱስ ብዛዕባ ፖለቲካ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ነበሮ፧
ጸሓፍቲ ወንጌል ንየሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ሓያሎ ፖለቲካዊ ጕዳያት ጽሒፎም እዮም። ንኣብነት፡ የሱስ ወዲ 30 ዀይኑ ኻብ ዚጥመቕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ድያብሎስ፡ ገዛኢ ዓለም ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ጸኒሑ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ንጉስ ኪገብርዎ ደለዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ንኪኸውን ኪደፋፍእዎ ፈተኑ። እሞኸ የሱስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ነቲ ፍጻመታት እስከ ንመርምሮ።
ገዛኢ ዓለም። ጸሓፍቲ ወንጌል ከም ዝገለጽዎ፡ ድያብሎስ ንየሱስ፡ ገዛኢ “መንግስትታት ኵላ ዓለም” ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። የሱስ ገዛኢ ዓለም ብምዃን ነቶም መከራ ዚወርዶም ደቂ ሰብ ክንደይ ጽቡቕ ነገራት ኪገብረሎም ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣየናይ ንደቂ ሰብ ዚግደሰሎም ፖለቲከኛ ውልቀ ሰብ እዩ እሞ ንኸምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ዚነጽጎ፧ የሱስ ግና ነጺግዎ እዩ።—ማቴዎስ 4:8-11።
ንጉስ። ብዙሓት ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጸገማቶም ዚፈትሓሎም ገዛኢ ይደልዩ ነበሩ። ብኽእለት የሱስ ስለ እተገረሙ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ደለይዎ። እሞኸ ንሱ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ዮሃንስ፡ “የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ” በለ። (ዮሃንስ 6:10-15) ብንጹር እምበኣር፡ የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ኣይደልን እዩ ነይሩ።
ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ሒደት መዓልትታት ይገብር ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመ እስከ ንርአ። እቶም ካብ መግዛእቲ ሮሜ ናጻ ኺወጹ ዚደልዩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን እቶም ኣባላት እቲ ንሮሜ ዚድግፍ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝነበሩ ሄሮድሳውያንን፡ ንየሱስ ምስ ሓዲኦም ንኺውግን ኬገድድዎ ስለ ዝደለዩ፡ ናብኡ መጹ። ኣይሁድ ንሮሜ ግብሪ ኪኸፍሉ እንተ ኣልይዎም ከኣ ሓተትዎ።
ማርቆስ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ መዝጊብዎ ኣሎ፣ የሱስ፡ “ስለምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይ፡ በሎም። ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ፤ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፤ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በሎም። (ማርቆስ 12:13-17) ቸርች ኤንድ ስቴት—ዘ ስቶሪ ኦቭ ቱ ኪንግደምስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ የሱስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ዝመለሰሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “ፖለቲካዊ መሲሕ ኪኸውን ኣይደልን እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እቲ ቄሳርን ኣምላኽን ዘለዎም ደረት ድማ ብጥንቃቐ እዩ ገሊጹ” በለት።
የሱስ ከም ድኽነትን ብልሽውናን ግፍዕን ዝኣመሰለ ጸገማት ዘይግድሶ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ በቲ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ዜሕዝን ኵነታት ውሽጡ ተተንኪፉ እዩ። (ማርቆስ 6:33, 34) ኰይኑ ግና፡ ዋላ እኳ ገሊኦም ሰባት ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጕዳያት ንኺኣቱ ኺደፋፍእዎ እንተ ፈተኑ፡ ንዓለም ዘይፍትሓዊ ኻብ ዝዀነ ነገራት ንኼጽርያ ኢሉ ግና ስጕምቲ ኣይወሰደን።
ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኪኣቱ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትከ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧