ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/5 ገጽ 3-4
  • የሱስ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንህይወት ካልኦት ዚትንክፍ
  • “ካብ ዓለም ኣይኰኑን”
  • ጨው ተደላዪ ማዕድን
    ንቕሑ!—2002
  • ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንማሕበረሰብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ይግባእ ድዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/5 ገጽ 3-4

የሱስ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

ብዙሓት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ ሃይማኖት ንጸገማት ደቂ ሰብ ንምፍታሕ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ስለ ዚኣምኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖም። ካልኦት ቅኑዓት ኣመንቲ ግና፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን ኪፈላለ ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንስኻኸ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ እንታይ ግደ ዘለዎ ዀይኑ ይስምዓካ፧ እዞም ክልተ ብርቱዓት ሓይልታት፡ ኢድን ጓንትን ድዮም ኪዀኑ ዘለዎም፧

የሱስ ክርስቶስ፡ “ኣብ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ . . . ዓብዪ ጽልዋ ዘሕደረ ሰብ” ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ “ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ኣለዎዶ፧” ኢልና እንተ እንሓትቶ፡ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብቓሉን ብተግባሩን መሊስዋ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት ንሰዓብቱ፡ ኣብ ማሕበረሰቦም ኪህልዎም ብዛዕባ ዚግባእ ግደ ንኺፈልጡ ዚሕግዞም መምርሒታት ሂብዎም እዩ። ካብቲ ህቡብ ስብከት እስከ ገለ ነጥብታት ንርአ።

ንህይወት ካልኦት ዚትንክፍ

የሱስ፡ ሰዓብቱ ብዛዕባ ዓለም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ከም ዚግባእ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። . . . ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴዎስ 5:13-16) የሱስ ንሰዓብቱ ምስ ጨውን ምስ ብርሃንን ዘመሳሰሎም ስለምንታይ እዩ፧

ቃላት የሱስ፡ ሰዓብቱ ንሒደት ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብምሉኦም ደቂ ሰብ ከም ጨው ምዃኖም እዩ ዚሕብር። ብዘይካዚ፡ ንእተወሰኑ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ብንጹር ኪርእዩ ዚደልዩ ኸም ብርሃን እዮም። የሱስ ነቲ ስእላዊ ኣገላልጻ ብምጥቃም፡ ሰዓብቱ ኻብ ሕብረተሰብ ንበይኖም ኪፍለዩ ኸም ዘይደሊ ብንጹር ገለጸ። ስለምንታይ እዮም ግና ኺፍለዩ ዘይብሎም፧

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ጨው ምስ ምግቢ እንተ ዘይተሓዋዊሱ፡ ነቲ ምግቢ ኺዕቅቦ ኣይክእልን እዩ። መብራህቲ እውን ንሓደ ኽፍሊ ኼብርሆ ዚኽእል፡ እቲ መብራህቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኽፍሊ እንተ ኣልዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብ ሓደ ሸነኽ ምድሪ ንበይኖም ተፈልዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበረሰብ ኬቝሙ ዘይኣዘዞም ወይ ኣብ ገዳም ኪነብሩ ዘየተባብዖም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልክዕ ከምቲ ጨው ምስ ምግቢ ኺተሓዋወስ ዘለዎ ኸምኡውን ብርሃን ንጸልማት ኬብርሆ ዘለዎ፡ ክርስትያናት እውን ኣብ ህይወት ካልኦት ጽልዋ ኼሕድሩ ኣለዎም።

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”

ይኹን እምበር፡ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ምስ ካልኦት ሰባት ርክብ ኪህልዎም ከም ዚግባእ ዚገልጽ መምርሒ፡ ነቲ ክርስትያናት ብዛዕባ ፖለቲካ ዘለዎም ኣረኣእያ ብዚምልከት ኣገዳሲ ሕቶ የበግስ እዩ። ስለምንታይ፧ የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ፡ “ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ብምባል ምእንቲ ሰዓብቱ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:15, 16) ኰይኑ ግና፡ ክርስትያናት ካብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰኑ ኽነሶም፡ ኣብ ንጥፈታት እቲ ዚነብሩሉ ማሕበረሰብ ኪሳተፉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሰለስተ ተወሳኺ ሕቶታት እስከ ንርአ፦

• የሱስ ብዛዕባ ፖለቲካ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ነበሮ፧

• ሎሚ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

• ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንማሕበረሰብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ፡ ሰዓብቱ ኻብ ሕብረተሰብ ንበይኖም ኪፍለዩ ኸም ዘይደሊ ብንጹር ገለጸ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ