ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/8 ገጽ 31-32
  • ጕዕዞ ምስ ፒልግሪም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጕዕዞ ምስ ፒልግሪም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/8 ገጽ 31-32

ካብ መዛግብትና

ጕዕዞ ምስ ፒልግሪም

“ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ኣይክእልን እየ።” ብዙሓት ሓደስቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዘይፈልጥዎ ሰብ ብዛዕባ ምስባኽ ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ይብሉ እዮም። እቲ ዜገርም ግና፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ እተዛረቦ፡ ሓደ ፒልግሪም ዚብሃል ምኩር ህዝባዊ ተዛራብን መምህር መጽሓፍ ቅዱስን እዩ።

ብዙሓት ንኣብያተ ክርስትያኖም ሓዲጎም ዝወጹ ኣንበብቲ ዛዮንስ ዎች ታወር (ግምቢ ዘብዐኛ ጽዮን)፡ ምስቶም ከማታቶም ጽምኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት ኪሓብሩ ይደልዩ ነበሩ። እታ መጽሔት እውን እንተ ዀነት ንኣንበብታ፡ ተመሳሳሊ ኽቡር እምነት ንዘለዎም ሰባት ኬናድይዎምን መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑ ወትሩ ብሓደ ኺእከቡን ተተባብዖም ነይራ እያ። ካብ 1894 ጀሚሩ፡ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምስቶም ኪብጽሑ ኸም ዚደልዩ ዝሓበሩ ጕጅለታት ዚራኸቡ ገየሽቲ ተወከልቲ ኺልእኽ ጀመረ። እዞም ጸኒሖም ፒልግሪም ተባሂሎም ኪጽውዑ ዝጀመሩ ገየሽቲ ተወከልቲ፡ ምኩራትን ጻዕራማትን ሰብኡት እዮም ነይሮም፣ ትሕትና፡ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክእለት ምምሃርን ምዝራብን ስለ ዝነበሮም፡ ከምኡውን ንበጃ ክርስቶስ እሙናት ብምንባሮም እዮም ተመሪጾም። ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ስለ ዝነበሮም፡ ኪበጽሑ ኸለዉ፡ ካብ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንላዕሊ ኣይጸንሑን እዮም ነይሮም። ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ፈለማ ኺካፈሉ ዝጀመሩ፡ ነቲ እቲ ኺበጽሖም ዝመጸ ፒልግሪም ዜቕርቦ ህዝባዊ መደረ ዜፋልጥ መዐደሚ ብምዕዳል እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሁጎ ሪመር፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ መደረ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምልስ ኣምሰየ። ኣብ መወዳእታ ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ እቲ ኣኼባ “ጽቡቕ” ምንባሩ ገለጸ።

መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ቀንዲ ዕላማ” ምብጻሕ እቶም ፒልግሪም፡ ኣብ ኣባይቲ እቶም ኣመንቲ ዄንካ ነቶም “ኣብ እምነት ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ” ንምህናጽ ምዃኑ ገሊጻ ነበረት። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መደረ ኺሰምዑን ኣብቲ ሕቶን መልስን ዚግበረሉ ኽፍለ ግዜ ኺካፈሉን ይመጹ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ጋሻ ናይ ምቕባል መንፈስ ዜርእዩሉ ኣጋጣሚ ይረኽቡ ነበሩ። ሞድ ኣቦት ገና ንእሽቶ ኸላ፡ ኣብቲ ንግሆ ዚቐርብ መደረ ትካፈል ነበረት፣ ድሕሪኡ ብምሉኦም ኣብቲ ኻንሸሎ ኣብ ዚርከብ ነዊሕ ጠረጴዛ ይእከቡ ነበሩ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ከም ሰለፍ ሓሰማን እተጠብሰ ስጋ ደርሆን እተፈላለየ ዓይነት ባንን ኬክን ዝኣመሰለ ብዙሕ ጥዑም ምግቢ ይቐርብ ነበረ። ኵሉ ሰብ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ ነበረ፣ ድሕሪኡ ሰዓት ክልተ ምስ ኰነ፡ ካልእ መደረ ኽንሰምዕ ንእከብ ነበርና” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ኸም ዝገለጸቶ ግና፡ “ሽዑ ዅሉ ሰብ ይታኸስ ነበረ።” ንነዊሕ እዋን ፒልግሪም ኰይኑ ዘገልገለ ቤንጃሚን ባርተን፡ ‘ንዅሉ እቲ ዚቐርበለይ ስቡሕ ምግቢ እንተ ዝበልዕ ነይረ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣገልግሎተይ ኣቋሪጸ ምሃለኹ’ በለ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ነተን ንፒልግሪም ኣብ ቤተን ዚቕበላኦም ዝነበራ ሓለይቲ ኣሓት፡ ነቶም ፒልግሪም “ተራን ቀሊልን ምግቢ ኪኽሽናሎም” ከምኡውን “ጽቡቕ ድቃስ” ከም ዚድቅሱ ኺገብራ እትመክር ደብዳበ ለኣኸ።

እቶም ፒልግሪም ኣብ ምምሃር ከምኡውን ሰሌዳታት፡ ሞዴላት፡ ወይ ከኣ ነቲ ዚዛረቡሉ ዘለዉ ርእሰ ነገር ከም ዚምስጥ ዚገብር ዝዀነ ይኹን ነገር ኣብ ምጥቃም ክኢላታት እዮም ነይሮም። ሪቻርድ ሃርቪ ባርበር ዜቕርቦ ዝነበረ መደረ፡ “ወትሩ ብመንፈሳዊ መዳይ እተቓመመ” እዩ ነይሩ። እቲ ኣባታዊ ባህርይ ዝነበሮ ዎልተር ቶርን ከኣ፡ “ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣበው” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ሺልድ ቱትጂን፡ ፎርድ ብእትብሃል ዓይነት ማኪና ኺጐዓዝ ከሎ፡ ብሃንደበት፡ “ደው ኣብላ” ኢሉ ጨደረ። ካብታ ማኪና ወሪዱ፡ እተወሰነ ዕምባባታት ሒዙ ተመልሰ እሞ፡ ነቶም ብጾቱ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ ዚገልጽ ትምህርቲ መሃሮም።

ምስ ዕዮ ፒልግሪም ዚመጽእ ጸገማት፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ልዕሊ 45 ዝዕድሚኦም ኣሕዋት ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንገሊኦም ፒልግሪም ዓብዪ ፈተና ዝዀኖም፡ ኣብ ኣትኵሮ ዕዮኦም ለውጢ ምስ ተገብረ እዩ። ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት መሪሕ ግደ ኺህልዎም ትጽቢት ኪግበረሎም ጀመረ። ናይ 15 መጋቢት 1924 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝገለጸቶ፡ “ሓደ ኻብቲ ቐንዲ መዝነት” ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምምስካር እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ እዮም ፒልግሪም ዚለኣኹ።”

ገሊኦም ፒልግሪም በቲ ለውጢ ስለ ዘይተሓጐሱ፡ ንዕዮ መገሻ ኣቋረጽዎ፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖት መስረቱ። ሮቢ ኣድካንስ ብዛዕባ ሓደ ኽኢላ ተዛራቢ ዝነበረ ፒልግሪም ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣነ ኻብ መድረኽ ምስባኽ እየ ዝኽእል። ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ኣይክእልን እየ” ከም ዝበለ ገለጸ። ሓው ኣድካንስ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ድሕሪኡ ነቲ ሓው ኣብቲ ብ1924 ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ እየ ርእየዮ። ሓጐሱ ስኢኑ ነበረ፣ ብኣሽሓት ብዚቝጸሩ ሕጉሳት ኣሕዋት ተኸቢቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ንበይኑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ንእሽቶ ኦም ደው ኢሉ ነበረ። ድሕሪኡ ፈጺመ ኣይረኣኽዎን። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ካብ ውድብ [የሆዋ] ወጸ።” ብኣንጻሩ ግና፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኪምስክሩ እተሃንጠዩ “ብዙሓት ሕጉሳት ኣሕዋት፡ መጻሕፍቲ ሒዞም ናብ ማካይኖም ይኸዱ ነበሩ።”—ግብ. 20:20, 21።

ብዙሓት ፒልግሪም ልክዕ ከምቶም ዜሰልጥንዎም ኣሕዋት ፈሪሆም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምሉእ ልቦም ዓየዩ። ጀርመንኛ ዚዛረብ ማክስዌል ፍሬንድ (ፍሬሸል) ዝስሙ ፒልግሪም ብዛዕባ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ምስክርነት ኪገልጽ ከሎ፡ “እዚ ሓደ ኽፋል ዕዮ ፒልግሪም፡ ነቲ መገሻ በረኸት ይውስኸሉ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ጆን ቦህኔት ዝስሙ ፒልግሪም እውን፡ እቶም ኣሕዋት ብሓፈሻ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ከም ዝደገፍዎ ጸብጸበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ መብዛሕትኦም “ኣብቲ ውግእ ኣብ ቅድሚት ኪስርዑ ብርቱዕ ቅንኣት” ከም ዝነበሮም ገለጸ።

ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ እሙናት ገየሽቲ ኣሕዋት፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም። ኖርማን ላርሰን ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን ነዊሕ ዝገበረ ሓው፡ “ገና ቘልዓ ኸለኹ ኸም እተዓዘብክዎ፡ ፒልግሪም ብዙሕ ጠቓሚ ነገራት ገይሮም እዮም። ብቕኑዕ መገዲ ምእንቲ ኽመላለስ፡ ጽቡቕ ገይሮም ቀሪጾምኒ እዮም” በለ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡን እሙናትን ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም፡ “ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ንኽእል ኢና” ንኺብሉ ይሕግዝዎም ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እታ ፒልግሪም ዚመጹላ መዓልቲ፡ እተሐጕስ እያ ነይራ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ቤንጃሚን ባርተን ብ1905 ዝነበሮ መደብ ምብጻሕ፡ 170 ዚኸውን ቦታታት ዜጠቓልል ነበረ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ዎልተር ቶርን፡ ብምኽንያት እቲ ኣባታውን ምስ ናይ ክርስቶስ ዚመሳሰልን ባህርያቱ፡ “ፓፒ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ፒልግሪም እዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ሓው ብራውን ን14 ንኣሽቱ ጕጅለታት ንምብርታዕን ንምትብባዕን፡ ኣብ ከባቢ 1902 ፒልግሪም ኰይኑ ናብ ጃማይካ ተላእከ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ዕዮ ፒልግሪም፡ ንእምነት ዚሃንጽ፡ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዜደልድል፡ ከምኡውን ንኣሕዋት ናብ ውድብ የሆዋ ኸም ዚቐርቡ ዚገብር እዩ ነይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ