ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/8 ገጽ 30
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቲ ዝሓየለ ሰብኣይ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብዛዕባ ጸጕርኻ ትጭነቕ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንዘሎ ተኣምራት ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/8 ገጽ 30

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ምንጪ ሓይሊ ሲምሶን ጸጕሩ ድዩ ነይሩ፧

ምንጪ ሓይሊ ሲምሶን ጸጕሩ ዘይኰነስ፡ እቲ ኸም ናዝራዊ መጠን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ እዩ ነይሩ። እቲ ጸጕሩ፡ ምልክት እቲ ዝነበሮ ርክብ እዩ ነይሩ። ደሊላ ነቲ ጸጕሩ ምስ ላጸየቶ ድማ፡ እቲ ርክቡ ተጸልወ።—15/4፡ ገጽ 9።

ምስ ስጋዊ ልብና ኺነጻጸር ከሎ፡ ንምሳልያዊ ልብና ኺጸልዎ ዚኽእል ሰለስተ ነገራት እንታይ እዩ፧

(1) ምግቢ። ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ልብና ጥዑይ ምግቢ ኺረክብ ዘለዎ፡ ንምሳልያዊ ልብና እውን እኹልን ጥዑይን መንፈሳዊ ምግቢ የድልዮ እዩ። (2) ኣካላዊ ምውስዋስ። ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ቕንኣት ዝመልኦ ተሳትፎ፡ ንመንፈሳዊ ልብና ጥዑይ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። (3) ኣከባቢ። ምስቶም ዚግደሱልና ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብምሕባር፡ ነቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ጸቕጢ ኽንንክዮ ንኽእል ኢና።—15/4፡ ገጽ 16።

መጻምድትኻ እንተ ጠሊሙካ፡ እንደገና ኣብኡ እምነት ከተሕድር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክልቲኦም መጻምድቲ፡ (1) ሓቀኛታት ኪዀኑ፡ (2) ብሓባር ኪዓይዩ፡ (3) ነቲ ናይ ቀደም ልማዳቶም ብሓድሽ ኪትክእዎ፡ ከምኡውን (4) ነቲ እተበላሸወ ርክብ እንደገና ንምጽጋን፡ መዓስ ይቕረ ኺብሉ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ኣለዎም።—1/5፡ ገጽ 12-15።

ሓደ መደረ ቐብሪ ዜቕርብ ሓው፡ ንመዝሙር 116:15 ምስቲ መዋቲ ብምትሕሓዝ ኪጠቕሳ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ [“እሙናቱ፡” NW] ኽቡር እዩ” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ፡ ብምሉኦም እሙናት ኣገልገልቱ ኺሞቱ ኸም ዘይፈቅድ እያ እትሕብረና። እወ፡ ኣገልገልቱ ብደረጃ ጕጅለ ኻብ ምድሪ ኺጠፍኡ ኣይፈቅድን እዩ።—15/5፡ ገጽ 22።

ኮልፖርተራት መን እዮም ነይሮም፧

ቅድሚ 1931 እታ “ኮልፖርተር” እትብል ቃል፡ ነቶም ሕጂ ፈለምቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ እያ እተመልክት ነይራ።—15/5፡ ገጽ 31።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት እተጻሕፈ ተራ መጽሓፍ ከም ዘይኰነ ዚሕብር ገለ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እተፈጸመ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ጽውጽዋይ ዘይኰነስ፡ ልክዕ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ። ምስ ቅኑዕ ስነ ፍልጠት ዚሰማማዕን ንሓድሕዱ ዚሳነን እዩ። ብዘይካዚ፡ ሎሚ እውን ዚጠቅም እዩ።—1/6፡ ገጽ 4-8።

እተን ኣብ ዳንኤል 2:44 “ኵለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን” ተባሂለን ዘለዋ ኣየኖት እየን፧

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነተን ብእተፈላለየ ኽፋላት እቲ ዳንኤል ዝገለጾ ምስሊ እተመሰላ መንግስትታት እዩ ዜመልክት።—15/6፡ ገጽ 17።

ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣንግሎ ኣመሪካ ሻውዐይቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት መዓስ እያ፧

ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብሓባር ኰይነን ኣገዳሲ ስጕምቲ ምስ ወሰዳ፡ እዛ ድርብ ሓይሊ ዓለም እዚኣ ናብ ህላወ መጸት።—15/6፡ ገጽ 19።

ኣምላኽ ነቶም እተነስሑ ሰባት ይቕረ ዚብለሎምን ንሓጢኣቶም ዚርስዖን ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ስምረቱ ዚህቦም ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ኢሉ ነበረ። (ኤር. 31:34) እወ፡ ብመሰረት በጃ ክርስቶስ ንሓጢኣት ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ እቲ ሓጥእ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸሞ ሓጢኣት እናኣልዓለ ስለ ዘይቀጽዖ፡ ነቲ ሓጢኣት ረሲዕዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ።—1/7፡ ገጽ 18።

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ተኣምራት ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መብዛሕትኡ እዋን ብሕቡእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት እዩ ተፈጺሙ። ብቐሊል መገዲ ደኣ እምበር፡ ብፍሉይ ናውቲ ምርኢት ኣይኰነን ተገይሩ። ንሰብ ንምኽባር ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ እዩ ተፈጺሙ። እተፈላለየ ዓይነት ተኣምራት እዩ ተገይሩ፣ ሽዑ ዝነበሩ ተጻረርቲ ኸኣ፡ እቲ ተኣምራት ከም እተፈጸመ ኣይከሓዱን። እዚ ዅሉ ነጥብታት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት ከም እንኣምኖ እዩ ዚገብረና።—1/8፡ ገጽ 7-8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ