ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. ኣምላኽ ንርእሱ ስም ዘውጽአ ስለምንታይ እዩ፧
“ኣታ ሰብኣይ” ወይ “ኣቲ ሰበይቲ” ተባሂልና ዘይኰነስ፡ ብብሕታዊ ስምና ኽንጽዋዕ ኢና እንደሊ። ስም፡ ብሕታዊ መለለዪኻ እዩ። ኣምላኽ በቲ ‘ጐይታ፡’ “ኵሉ ዚኽእል፡” ከምኡውን ‘ፈጣሪ’ ዚብል መዓርግ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዘፍጥረት 15:2፣ 17:1፣ መክብብ 12:1) ኰይኑ ግና፡ ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ምእንቲ ኽንምስርት ኢሉ እውን፡ ንርእሱ ስም ኣውጺኡ እዩ። ብሕታዊ ስሙ ብትግርኛ፡ የሆዋ እዩ።—ኢሳይያስ 42:8 ኣንብብ።a
ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ በቲ “ኣምላኽ”ን “ጐይታ”ን “እግዚኣብሄር”ን ዚብል መዓርጋት እኳ እንተ ተክእዎ፡ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እብራይስጢ ግና፡ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ነይሩ እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣምላኽ፡ ስሙ ኺፍለጥ ይደሊ እዩ።—ኢሳይያስ 12:4 ኣንብብ።
2. ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ስም ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ብኸመይ ከም እተድህዮ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ኣሎና። እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ “ዚኸውን” ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ኣድላዪ ዘበለ ዅሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዜረጋግጸልና። ስለዚ፡ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፡ ኣምላኽ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽም ምእማን ዜጠቓልል እዩ። (መዝሙር 9:10) እቶም ንስም ኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዚጥቀሙሉን ሰባት ዘላቶም እምነት፡ ኣብኡ ንኺውከሉን ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ንኺህብዎን ትድርኾም እያ። የሆዋ ኣምላኽ ከኣ የዕቍቦም እዩ።—መዝሙር 91:14 ኣንብብ።
3. ኣምላኽ ስሙ ኺፍለጥ ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ፡ ሰባት ብስሙ ምስ ዚፈልጥዎ ኸም ዚጥቀሙ ስለ ዚፈልጥ፡ ብስሙ ኺፈልጥዎ እዩ ዚደሊ። ከምኡ ምግባሮም፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። የሆዋ ንስሙ ኸነፍልጥ እንተ ደለየና እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 17:3፣ ሮሜ 10:13, 14 ኣንብብ።
የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መገድታትን ሕግታትን መብጽዓታትን ኣምላኽ ብምምሃር፡ ንስም ኣምላኽ ኣፍሊጥዎም እዩ። ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ እውን፡ ንዅሎም ኣህዛብ፡ ስም ኣምላኽ የፍልጥዎም ኣለዉ። ‘ንስም ኣምላኽ ከም ዚዀኑ ህዝቢ’ መጠን፡ ብሕብረት እዮም ከምኡ ዚገብሩ ዘለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:14፣ ዮሃንስ 17:26 ኣንብብ።
4. ኣምላኽ ንስሙ ዜኽብሮ ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ ስሙ ስለ ዝጸለመ፡ ኬኽብሮ ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንህይወት ከም ዘይፈጠሮን ክንእዘዞ ኸም ዘየድልየናን ይዛረቡ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብዛዕባና ኸም ዘይግደስን ምንጪ መከራ ንሱ ምዃኑን ይገልጹ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንስም ኣምላኽ የካፍእዎ እዮም። ንዘለኣለም ግና ኣይኰኑን ከምኡ ኺገብሩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ነቶም ንስሙ ዘየኽብርዎ ሰባት ኬጥፍኦም እዩ።—መዝሙር 83:17, 18 ኣንብብ።
መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ግዝኣት ምስ ኣጥፍኣቶን ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ሰላምን ድሕንነትን ከም ዚሰፍን ምስ ገበረትን፡ የሆዋ ንስሙ ኬኽብሮ እዩ። (ዳንኤል 2:44) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኵሉ ሰብ ኪፈልጥ እዩ።—ህዝቅኤል 36:23፣ ማቴዎስ 6:9 ኣንብብ።
እሞኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ንቓል ኣምላኽ ብምጽናዕን ምስቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎ ሰባት ብምሕባርን፡ ናብኡ ቕረብ። የሆዋ ንስሙ ኣብ ዜኽብረሉ እዋን፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኺዝክሮም እዩ።—ሚልክያስ 3:16።
[እግረ-ጽሑፍ]
a “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።”
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ እብራይስጢ ዚርከብ ስም ኣምላኽ