-
ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም ትንቢትግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 ሰነ
-
-
ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም ትንቢት
“ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ . . . ኣይወደቐን።”—እያሱ 23:14።
መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ጥንቲ ዝነበሩ ብዛዕባ መጻኢ ዚንበዩ ሰባት፡ ዘይንጹርን ዘየተኣማምንን ትንቢት እዮም ዚንበዩ ነይሮም፣ ዘመናዊ ሆርስኮፕ እውን እንተ ዀነ ኻብኡ ኣይሓይሽን እዩ። ኣብ ህሉው ምዕባለታት ተመርኲሱ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ነገራት ዜጽንዕ መጽናዕቲ፡ ዘመናት ኣቐዲሙ ብንጹር ብዛዕባ መጻኢ ኺገልጽ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ዝርዝራውን እዩ፣ ዋላ እውን ‘ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ’ እንተ ተነበየ፡ እቲ እተነበዮ ዅሉ ሳዕ ይፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 46:10።
ኣብነት፦ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ነብዪ ዳንኤል፡ ሜዶንን ፋርስን ብቕልጡፍ ብግሪኽ ከም ዝሰዓራ ዚገልጽ ራእይ ረኣየ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንሜዶንን ንፋርስን ዚስዕረን ንጉስ ግሪኽ “ምስ በርትዔ፡” መንግስቱ ኸም ‘እትስበር’ ገለጸ። ነዚ ንጉስ እዚ ዚትክኦ ደኣ እሞ መን እዩ፧ ዳንኤል፡ “ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን፡ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረያኣን እየን” ኢሉ ጸሓፈ።—ዳንኤል 8:5-8, 20-22።
ጸሓፍቲ ታሪኽ እንታይ በሉ፧ ካብቲ ዳንኤል ዝነበረሉ እዋን ልዕሊ 200 ዓመት ጸኒሑ፡ እስክንድር እቲ ዓብዪ፡ ንጉስ ግሪኽ ኰነ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት፡ እስክንድር ንሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ስዒሩ፡ ንሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ክሳብ ሩባ ኢንዱስ (ሎሚ ፓኪስታን) ኣስፋሕፍሖ። ኰይኑ ግና፡ ገና ወዲ 32 ዓመት ከሎ ብሃንደበት ሞተ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ጥቓ ኢፕሰስ እተገብረ ውግእ፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ከም ዚከፋፈል ገበረ። እቶም ሽዑ እተዋግኡ ነገስታት ከኣ፡ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ተማቐልዎ። ካብዞም ነገስታት እዚኣቶም ብሓይሊ ምስ እስክንድር ዚመዓራረ ግና ኣይነበረን።
ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ እተነበዮ ትንቢታት ምሉእ ብምሉእ ከም እተፈጸመ ኺገልጽ ዚኽእል ካልእ መጽሓፍ ኣሎዶ፧ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ መጽሓፍ ስለ ዝዀነ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ . . . ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብሃንደበት ከም እተፈጸመ ጌርካ ምሕሳብ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ።” —ኤ ሎውየር ኤግዛምንስ ዘ ባይብል፡ ብአርዊን ሊንተን
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© Robert Harding Picture Library/SuperStock
-
-
ጽውጽዋይ ዘይኰነ ታሪኽግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 ሰነ
-
-
ጽውጽዋይ ዘይኰነ ታሪኽ
“ኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ።” —ሉቃስ 1:3።
መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣፈ ታሪኽን ጽውጽዋይን ባህ ዜብል ዛንታ ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ቦታታትን ዕለትን ስማት ሰባትን ግና ብንጹር ኣይጠቅስን እዩ። ብኣንጻሩ ግና መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኻዊ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣንባቢ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ‘ቃል፡ ሓቂ’ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጸሉ።—መዝሙር 119:160።
ኣብነት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንዮያኪን [ንጉስ ይሁዳ] ናብ ባቢሎን ከም ዝማረኾ’ ይገልጽ እዩ። ጸኒሑ፡ “ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን በታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።” “ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ከኣ ወርትግ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ።”—2 ነገስት 24:11, 15፣ 25:27-30።
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ እንታይ ረኸቡ፧ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ዑናታት ጥንታዊት ባቢሎን፡ ብግዜ ዳግማይ ነቡካድነጻር ዝነበረ ምምሕዳራዊ ሰነድ ረኸቡ። እቲ ሰነድ፡ ብዛዕባ እቲ ንእሱራትን ነቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚውከሉን ሰባት ዚወሃቦም ዝነበረ መቝነን ዚገልጽ ዝርዝር ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝርዝር ከኣ፡ “ያኡኪን [ዮኣኪን]” “ንጉስ ምድሪ ያሁድ [ይሁዳ]”ን ስድራ ቤቱን ተጠቒሶም ነበሩ። ብዛዕባ እቲ ንነቡካድነጻር ዝተክኦ ኤዊል-መሮዳክከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኣብ ጥቓ ሱሳ፡ “ቤተ መንግስቲ ኣሚል-ማርዱክ [ኤዊል-መሮዳክ]፡ ንጉስ ባቢሎን፡ ወዲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን” ዚብል ጽሕፈት እተጻሕፎ ሳርማ ተረኺቡ እዩ።
ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ምስ ታሪኽ ብእተተሓሓዘ፡ ዝርዝራውን ልክዕን ሓበሬታ ዝሓዘ ኻልእ ጥንታዊ ናይ ሃይማኖት ጽሑፍ ኣሎዶ፧ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ስለ ዝዀነ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መስርዕ ፍጻመታትን ጂኦግራፍያዊ መግለጺታትን ካብ ካልእ ጥንታዊ ሰነድ ንላዕሊ ልክዕን ዚእመንን እዩ።” —ኤ ሳይንቲፊክ ኢንቨስቲጌሽን ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት፡ ብሮበርት ዊልሰን
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ስም ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ ዚርከቦ ምምሕዳራዊ ሰነድ ባቢሎን
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© bpk, Berlin/Vorderasiatisches Museum, SMB/Olaf M. Tessmer/Art Resource, NY
-
-
ቅኑዕ ስነ ፍልጠትግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 ሰነ
-
-
ቅኑዕ ስነ ፍልጠት
“ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ፧”—ምሳሌ 22:20, 21።
መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ጥንታዊ መጻሕፍቲ፡ ብዘመናዊ ስነ ፍልጠት ግጉይ ምዃኑ እተረጋገጸ ዘይእመንን ሓደገኛን ሓሳባት እዩ ዚህብ። ሎሚ ዘለዉ ጸሓፍቲ እውን እንተ ዀኑ፡ እቲ ዜዳልውዎ መምሃሪ መጽሓፍ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ሓድሽ ርኽበታት ምእንቲ ኺሰማማዕ፡ ምምሕያሽ ይገብሩሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ ደራሲኡ ፈጣሪ ኸም ዝዀነን ‘ንዘለኣለም ከም ዚነብርን’ እዩ ዚሕብር።—1 ጴጥሮስ 1:25።
ኣብነት፦ ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “ኣብ ወጻኢ ሰፈር” ደገ ምስ ወጹ፡ ነቲ ደገ ኪኸድንዎ ይእዝዞም ነበረ። (ዘዳግም 23:12, 13) ገምቢ እንስሳታት ወይ ሬሳ እንተ ተንክዮም ድማ፡ ብማይ ኪሕጸቡ ይእዝዞም ነበረ። (ዘሌዋውያን 11:27, 28፣ ዘሁልቍ 19:14-16) ሽዑ ዝነበሩ ለምጻማት እውን፡ ሕማሞም ተላጋቢ ኸም ዘይኰነ ብምርመራ ኽሳዕ ዚረጋገጽ፡ ንበይኖም ይፍለዩ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 13:1-8።
ዘመናዊ ሕክምና እንታይ ይብል፧ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ንደገ ብግቡእ ምውጋድ፡ ኢድካ ምሕጻብ፡ ከምኡውን ነቶም ዝሓመሙ ንበይኖም ምፍላይ፡ ምስ ሕማም ኣብ ዚግበር ቃልሲ ዚውሰድ ኣገዳሲ ስጕምትታት እዩ። እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም ከም ዝገለጾ፡ ዓይኒ ምድሪ ወይ ካልእ ንሓለዋ ጽሬት ዜድሊ ነገራት ኣብ ቀረባ ዘይርከብ እንተ ዀይኑ፡ “ካብ ዝዀነ ይኹን ማይ ዚርከቦ ቦታ 30 ሜተር ርሒቕካ ደገ ድሕሪ ምውጻእካ፡ ነቲ ደገ ቕበሮ።” ከምቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሓበሮ፡ ማሕበረሰብ ንደገ ብግቡእ እንተ ኣወጊድዎ፡ ሕማም ውጽኣት ብ36 ሚእታዊት ኪንኪ ይኽእል እዩ። ሓካይም ነቲ ሬሳ ኺትንክፍ ዝጸንሐ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ ንኻልኦት ተሓከምቲ ኺሕክሙ ኸለዉ፡ ነቶም ሕሙማት መሊሶም ብኻልእ ሕማም ከም ዜትሕዝዎም ዝፈለጡ፡ ቅድሚ 200 ዓመት እዮም። ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ ኣእዳውካ ምሕጻብ “ንምምሕልላፍ ሕማም ኪዓግቶ ዚኽእል እንኮ ውጽኢታዊ መገዲ” ኸም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። ንለምጻማት ወይ ካልእ ዓይነት ሕማም ንዝሓዞም ሰባት ንበይኖም ምፍላይከ ጥቕሚ ኣለዎዶ፧ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሳውዲ ሜዲካል ጆርናል፡ “ተላጋቢ ሕማም ኣብ ዚጅምረሉ እዋን፡ ነቲ ሕሙም ንበይኑ ምፍላይ፡ ነቲ ሕማም ክትቈጻጸረሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ” በለ።
ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ጥንቲ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ዚሰማማዕዶ ይመስለካ፧ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ስለ ዝዀነ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ነቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ ንጽሬት ዚምልከት መጠንቀቕታታት ኣንቢቡ ዘይድነቕ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።”—ማኑዋል ኦቭ ትሮፒካል ሜዲስን፡ ብዶክተር ኣልዶ ካስተላኒን ኣልበርት ቻልመርዝን
-
-
ንሓድሕዱ ዚሳነግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 ሰነ
-
-
ንሓድሕዱ ዚሳነ
“ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:21።
መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ተቐራራቢ እዋን እተጻሕፉ ጥንቲ ዝነበሩ ጽሑፋት እውን እንተ ዀኑ፡ ንሓድሕዶም ይጋጨዉ እዮም። ኣብ እተፈላለየ ቦታታትን ኣብ እተፈላለየ እዋንን ብእተፈላለዩ ሰባት እተጻሕፉ መጻሕፍቲ፡ ንሓድሕዶም ስኒት የብሎምን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ደራስን ንሓድሕዱ ዚሳነ ሓደ መልእኽትን ከም ዘለዎ እዩ ዚሕብር።—2 ጢሞቴዎስ 3:16።
ኣብነት፦ እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ሙሴ ዝስሙ ጓሳ፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ፡ ንደቂ ሰብ ዜድሕን “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ጸሓፈ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጸኒሓ፡ እቲ ዘርኢ ብኣብርሃምን ብይስሃቅን ብያእቆብን ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ገለጸት። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:17, 18፣ 26:24፣ 28:14) ድሕሪ 500 ዓመት ኣቢሉ፡ ነብዪ ናታን፡ እቲ ዘርኢ ብመስመር ወለዶ ንግስና ዳዊት ከም ዚመጽእ ሓበረ። (2 ሳሙኤል 7:12) ድሕርዚ ሓደ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ዘርኢ ብየሱስን ብጕጅለ እቶም እተመርጹ ሰዓብቱን ዝቘመ ምዃኑ ገለጸ። (ሮሜ 1:1-4፣ ገላትያ 3:16, 29) ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ኣባላት እቲ ዘርኢ፡ ምስክር የሱስ ሒዞም ኣብ ምድሪ ኸም ዜገልግሉ፡ ናብ ሰማይ ከም ዚትንስኡ፡ ከምኡውን ምስ የሱስ ኰይኖም ንሽሕ ዓመት ከም ዚገዝኡ ተነበየት። እቲ ዘርኢ ንድያብሎስ ብምጥፋእ ንደቂ ሰብ ኬድሕኖም እዩ።—ራእይ 12:17፣ 20:6-10።
ወሃብቲ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ በሉ፧ ልዊ ጎሰን ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ 66 መጻሕፍቲ ብዝርዝር ምስ መርመረን፡ መጽሓፍ ቅዱስ “በቶም ሓደ ሸቶ ሒዞም ንዕኡ ንምውቃዕ ዚጽዕሩ ዝነበሩ፡ ማለት በቶም ብዛዕባ እቲ ዓለም ብወዲ ኣምላኽ ኣቢላ እትረኽቦ ድሕነት ዚገልጽ ታሪኽ ኪጽሕፉ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ብዙሓት ጸሓፍቲ ኣብ ውሽጢ 1,500 ዓመት እተጻሕፈ ኽነሱ፡ እቲ ንሓድሕዱ ዘለዎ ስኒት ዜደንቕ እዩ” በለ።—ተኣፕኑስቲ—ዘ ፕለናሪ ኢንስፓይረሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ።
ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 1,500 ዓመት ብ40 እተፈላለዩ ሰባት እተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ምሉእ ብምሉእ ንሓድሕዱ ኺሳነ ምተጸበኻዶ፡ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ስለ ዝዀነ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“እቲ ጽሑፋት ብሓደ ኺጥርነፍ ከሎ፡ ሓደ መጽሓፍ እዩ ዚኸውን። . . . ይትረፍዶ ምስኡ ኺወዳደርሲ፡ ንዕኡ ኺመስሎ ዚኽእል ካልእ ስነ ጽሑፍ ፈጺሙ የልቦን።” —ዘ ፕሮብለም ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት፡ ብጄምስ ኦር
-
-
ሎሚ እውን ዚጠቅምግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 ሰነ
-
-
ሎሚ እውን ዚጠቅም
“ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።” —መዝሙር 119:105።
መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ገሊኡ ስነ ጽሑፍ ከም ብሉጽ ጌርካ ይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ህይወት መምርሒ ዚህብ ግና ከይከውን ይኽእል እዩ። ዘመናዊ መምርሒታት ከኣ በብግዜኡ ኺተዓራረ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” እዩ ዚብል።—ሮሜ 15:4።
ኣብነት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕና ዚገልጽ ግብራዊ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 14:30) ብዘይካዚ፡ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ኢሉ የጠንቅቕ እዩ። (ምሳሌ 18:1) ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ፡” NW]” እውን ይብል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።
እተገብረ ምርምር እንታይ ይሕብር፧ ህድኣትን ድልዱል ዕርክነትን ልግስን ንጥዕናኻ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶስየሽን ከም ዝጸብጸቦ፡ “ሓራቓት ዝዀኑ ሰብኡት፡ ካብቶም ሓርቖቶም ዚቈጻጸሩ ንላዕሊ ብዕጽፊ ወቕዒ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ።” ኣብ ኣውስትራልያ ንዓሰርተ ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ “ምስ ፈተውቶምን ምስ መኻፍልቲ ምስጢሮምን ዝሓሸ ማሕበራዊ ርክብ ዘለዎም” ኣረጋውያን፡ ዝነውሐ ዕድመ እዮም ዚነብሩ። ብ2008 ድማ፡ ደቂ ካናዳን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዝዀኑ ተመራመርቲ፡ “እቶም ንገንዘቦም ንገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ዚጥቀሙሉ ሰባት፡ ሓጐስ ከም ዚረኽቡ” ገለጹ።
ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ንጥዕና ዚምልከት ምኽሪ ንምርካብ፡ ኣብ ሓደ ቕድሚ 2,000 ዓመት እተጻሕፈ ማንም መጽሓፍ ምተወከልካዶ፡ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ስለ ዝዀነ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
“መጽሓፍ ቅዱስ . . . ዝበለጸ ሕክምናዊ ምኽሪ ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ እዩ ዚስሕበኒ።”—ዶክተር ሃዋርድ ኬሊ፡ ኣብ ዘ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ቤት ትምህርቲ ሕክምና፡ ሓደ ኻብቶም መስረትቲ ኣባላት ጨንፈር ትምህርቲ
-