ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/8 ገጽ 25-29
  • ጸኒዕካ ብምቛም ካብ መጻወድያ ሰይጣን ርሓቕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸኒዕካ ብምቛም ካብ መጻወድያ ሰይጣን ርሓቕ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍቕረ ንዋይ—ዚሓንቕ መጻወድያ
  • ዝሙት—ስዉር ጕድጓድ
  • ዝሙት
    ንቕሑ!—2015
  • “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ምስ ሰይጣን ተቓሊስካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ተጠንቀቕ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/8 ገጽ 25-29

ጸኒዕካ ብምቛም ካብ መጻወድያ ሰይጣን ርሓቕ!

‘ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓወሞ።’ —ኤፌ. 6:11።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ በቲ ኸም መጻወድያ ዝዀነ ፍቕረ ንዋይ ንኸይሕነቕ ኪጥንቀቕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ካብቲ ኸም ጕድጓድ ዝዀነ ዝሙት ንኺርሕቁ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ንፍቕረ ንዋይን ንጾታዊ ርኽሰትን ጸኒዕካ ኽትቃወሞ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

1, 2. (ሀ) ሰይጣን ንቕቡኣት ኰነ ን“ኻልኦት ኣባጊዕ” ዚጸልኦም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣየናይ መጻወድያ ሰይጣን ኢና ኽንምርምር፧

ሰይጣን ድያብሎስ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ሰባት ይጸልኦም እዩ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ምስ ተረፍ ቅቡኣት ይዋጋእ እዩ ዘሎ። (ራእ. 12:17) እዞም እሙናት ተረፍ ቅቡኣት እዚኦም፡ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ግንባር ቀደም ኰይኖም ይዓይይዎ ኣለዉ፣ ንሰይጣን፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምዃኑ ኣቃሊዖምዎ እዮም። ድያብሎስ ነቶም ንቕቡኣት ዚድግፍዎምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተዳልዩሎም ዘሎን “ካልኦት ኣባጊዕውን” ይጸልኦም እዩ። (ዮሃ. 10:16) ንሱ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ የብሉን። ኣዝዩ እንተ ተቘጥዐ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ሰይጣን ብዛዕባ ድሕንነትና ኣይዓጅቦን እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ፡ ግዳያቱ ኺገብረና እዩ።—1 ጴጥ. 5:8።

2 ነዚ ዕላማኡ ንምፍጻም፡ እተፈላለየ መጻወድያታት ወይ መፈንጠራታት ይጥቀም እዩ። ‘ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ስለ ዘዖሮ፡’ እዞም ሰባት እዚኦም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣይቅበልዎን እዮም፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ነቲ መጻወድያታቱ ኺርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ነቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተቐበልዎ ሰባት እውን ይፍንጥሮም እዩ። (2 ቈረ. 4:3, 4) እታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ካብ ሰለስተ መጻወድያታት ሰይጣን፡ ማለት (1) ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኻብ ዝዀነ ዘረባ፡ (2) ካብ ፍርህን ጸቕጥን፡ ከምኡውን (3) መጠኑ ኻብ ዝሓለፈ ጸጸት ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል ገሊጻትልና ነይራ እያ። ሕጂ ኸኣ ካብ ክልተ መጻወድያታት ወይ መፈንጠራታት ሰይጣን፡ ማለት ካብ ፍቕረ ንዋይን ካብቲ ዝሙት ንኽንፍጽም ዚወርደና ፈተናን ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ፍቕረ ንዋይ—ዚሓንቕ መጻወድያ

3, 4. ጭንቀት እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ፍቕረ ንዋይ ዚመርሕ ብኸመይ እዩ፧

3 የሱስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ምሳሌታቱ፡ ብዛዕባ ኣብ እሾኽ እተዘርአ ዘርኢ ተዛረበ። ሓደ ሰብ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዖ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ፡ “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ” በለ። (ማቴ. 13:22) እወ፡ ፍቕረ ንዋይ ሓደ ኻብቲ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን ዚጥቀመሉ መፈንጠራ እዩ።

4 ክልተ ረቛሒታት እዩ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሓንቖ። ሓደ ረቛሒ፡ “ጓሂ [ወይ፡ ጭንቀት] እዛ ዓለም እዚኣ” እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ “ኽፉእ ዘመን፡” ብዙሕ ዜጨንቕ ነገራት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ናብራ ይኸብርን ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽን ስለ ዘሎ፡ ድራር ዕለት ምርካብ የጸግመካ ይህሉ ይኸውን። ‘ጡረታ ምስ ወጻእኩ፡ እኹል ኣታዊ ይህልወኒ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ እውን ብዛዕባ መጻኢ ትጭነቕ ትኸውን። ገሊኣቶም ብምኽንያት ከምዚ ዝበለ ጭንቀት፡ ገንዘብ ድሕንነት ዜምጽኣሎም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ደድሕሪ ሃብቲ ኺስዕቡ ጸኒሖም እዮም።

5. ‘ሃብቲ ኼዐሽወና’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ካልእ ረቛሒ እውን ጠቒሱ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ምዕሻው ሃብቲ” እዩ። እዚ ረቛሒ እዚ ምስ ጭንቀት ተደሚሩ፡ ነቲ ቓል ኪሓንቆ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ገንዘብ ከም ጽላል’ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (መክ. 7:12) ይኹን እምበር፡ ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ጥበብ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት፡ ሃብቲ ንምጥራይ ብዝጸዓሩ መጠን፡ ብመጻወድያ ፍቕረ ንዋይ እናተሓንቁ እዮም ዚኸዱ። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ባሮት ሃብቲ ዀይኖም እዮም።—ማቴ. 6:24።

6, 7. (ሀ) እንታይ ኣብ ቦታ ስራሕ ኬጋጥም ዚኽእል ኵነታት እዩ ብፍቕረ ንዋይ ከም እትሕነቕ ኪገብረካ ዚኽእል፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ሕላፍ ሰዓት ኪሰርሕ ዜኽእሎ ኣጋጣሚ ምስ ዚረክብ፡ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ኬእቱ ዘለዎ፧

6 ከይተፈለጠና ሃብታም ንምዃን ክንብህግ ንጅምር ንኸውን። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ንርአ። ኣስራሒኻ ናባኻ መጺኡ፡ “ብስራት ሒዘልካ እየ መጺአ። ትካልና ዓብዪ ጨረታ ስዒሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ኣዋርሕ፡ ሕላፍ ሰዓት ክትሰርሕ ኬድልየካ እዩ። እኹል ገንዘብ ግና ኪኽፈለካ እዩ” ኢሉካ። እንታይ ምላሽ ምሃብካ፧ ሓቂ እዩ፡ ንስድራ ቤትካ ብስጋዊ ዜድልዮም ነገራት ናይ ምምላእ ረዚን ሓላፍነት ኣሎካ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓላፍነትካ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 5:8) ብዙሕ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ ነገራት ኣሎ። ክንደይ ሕላፍ ሰዓት ኢኻ ኽትሰርሕ፧ ዓለማዊ ስራሕካ ኻብ ከም ኣኼባ ጉባኤን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ኺዓናቕፈካ ድዩ፧

7 ሕላፍ ሰዓት ብዛዕባ ምስራሕ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ፡ ተወሳኺ ገንዘብ ምርካብ ድዩ ብቐንዱ ዜተሓሳስበካ ወይስ መንፈሳውነትካ ብኸመይ ከም ዚጽሎ፧ ተወሳኺ ገንዘብ ንምርካብ ዘሎካ ባህጊ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ከም ዘይትህብ ድዩ ዚገብረካ፧ ንመንፈሳዊ ጥዕናኻን ንመንፈሳዊ ጥዕና ስድራ ቤትካን ዕሽሽ እንተ ኢልካዮ፡ ፍቕረ ንዋይ ብኸመይ ኪጸልወካ ኸም ዚኽእል ከተስተውዕሎ ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ኣሊኻ፡ ጸኒዕካ ኽትቀውምን ብፍቕረ ንዋይ ንኸይትሕነቕ ክትጥንቀቕን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።

8. ብዛዕባ ኣየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ምምርማርና እዩ ናብራና ንኽንግምግም ኪሕግዘና ዚኽእል፧

8 ብፍቕረ ንዋይ ምእንቲ ኸይትሕነቕ፡ በብእዋኑ ናብራኻ ገምግም። ልክዕ ከምቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ከም ዚንዕቕ ብተግባሩ ዘርኣየ ኤሳው ከይትኸውን ተጠንቀቕ። (ዘፍ. 25:34፣ እብ. 12:16) ልክዕ ከምቲ ንብረቱ ሸይጡ ንድኻታት ብምሃብ ንየሱስ ኪስዕቦ ዕድመ ዝቐረበሉ ሃብታም ጐበዝ እውን ክትከውን የብልካን። እቲ ጐበዝ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ኣብ ክንዲ ዚቕበሎ፡ “ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ . . . እናጐሀየ ኸደ።” (ማቴ. 19:21, 22) ኣብ መጻወድያ ሃብቲ ስለ ዝኣተወ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ናይ ምስዓብ ፍሉይ መሰል ሰኣነ። ንስኻ እውን ነቲ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ከይትስእኖ ተጠንቀቕ።

9, 10. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ዘለዎ ይመስለካ፧

9 ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እምብዛ ምእንቲ ኸይንጭነቕ፡ ነዚ ዚስዕብ ማዕዳ የሱስ ከነቕልበሉ ኣሎና፦ “እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።”—ማቴ. 6:31, 32፣ ሉቃ. 21:34, 35።

10 ብመጻወድያ እቲ ዜዐሹ ሃብቲ ኣብ ክንዲ እንሕነቕ፡ ንኣረኣእያ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣጉር ንቕድሓዮ፣ ንሱ፡ “ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ” በለ። (ምሳ. 30:8) ኣጉር፡ ገንዘብ ከም ጽላል ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃብቲ ኸም ዜዐሹ እውን ይርዳእ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን፡ ጭንቀት እዚ ስርዓት እዝን ምዕሻው ሃብትን ንመንፈሳውነትና ኼጥፍኦ ኸም ዚኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እምብዛ ምጭናቕ፡ ንግዜና ኼባኽኖን ንጕልበትና ኺጽንቅቖን ይኽእል እዩ፣ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቐዳምነት ንኽንህብ ዜድልየና ድራኸ ድማ ኣይህልወናን። ስለዚ፡ በቲ መጻወድያ ሰይጣን ዝዀነ ፍቕረ ንዋይ ከይንተሓዝ ንጠንቀቕ።—እብራውያን 13:5 ኣንብብ።

ዝሙት—ስዉር ጕድጓድ

11, 12. ሓደ ክርስትያን ኣብ ቦታ ስራሑ ብመጻወድያ ዝሙት ኪተሓዝ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ሓደ ሓያል እንስሳ ኺሕዙ ዚደልዩ ሃደንቲ፡ ኣብቲ እቲ እንስሳ ብተደጋጋሚ ዚጓዓዘሉ መገዲ፡ ጕድጓድ ይዅዕቱ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ጕድጓድ ብእተወሰነ ቐሸምን ሓመድን እተሸፈነ እዩ። ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዚዕወተሉ ፈተናታት፡ ምስዚ መጻወድያ እዚ ይመሳሰል እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ጾታዊ ርኽሰት እዩ። (ምሳ. 22:14፣ 23:27) ሓያሎ ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶም ብቐሊሉ ጾታዊ ርኽሰት ኪፍጽሙ ኣብ ዚኽእሉሉ ዅነታት ስለ ዘእተዉዋ፡ በቲ መጻወድያ ተታሒዞም እዮም። ገሊኦም ምርዑዋት ክርስትያናት፡ መጻምድቶም ምስ ዘይኰነ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ድሕሪ ምጅማሮም እዮም ዝሙት ፈጺሞም።

12 ዘይግቡእ ፍቕራዊ ርክብ ኣብ ቦታ ስራሕ ኪምዕብል ይኽእል እዩ። ሓደ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ካብተን ዝሙት ዝፈጸማ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀና፡ ካብቶም ዝሙት ዝፈጸሙ 4 ደቂ ተባዕትዮ ኸኣ እቶም 3፡ ምስ መሳርሕቶም እዮም ዘምዮም። ንስኻኸ ምስ ኣንጻር ጾታ ዲኻ እትሰርሕ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ዘሎካ፧ ንፍቕራዊ ርክብ ዚጥዕም ኵነታት ምእንቲ ኸይህሉ፡ ንርክብካ ደረት ትገብረሉ ዲኻ፧ ንኣብነት፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ምስ ሓደ መሳርሕታ ብተደጋጋሚ ተዕልል ትኸውን፣ ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ኣብ ሓዳራ ብዛዕባ ዜጋጥማ ጸገማት ክትነግሮ ትጅምር ትኸውን። ኣብ ካልእ ኵነታት ከኣ፡ ሓደ ክርስትያን ሓው ምስ ሓንቲ መሳርሕቱ ብሕውነት ምስ ተቐራረበ፡ “ንርእይቶይ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ፡ ንዘረባይ እውን ትሰምዖ እያ። ኣኽቢራ እያ እትርእየኒ። ኣብ ቤተይ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ እንተ ዚግበረለይ፡ መን ምሃበ፧” ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዘለዉ ክርስትያናት ብኸመይ ብቐሊሉ ኺዝምዉ ኸም ዚኽእሉ ኣስተብሂልካዶ፧

13. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይግቡእ ፍቕራዊ ርክብ ኪምዕብል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እንተ ዀነ፡ ዘይግቡእ ፍቕራዊ ርክብ ኪምዕብል ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ናይ ሓቂ ታሪኽ እስከ ንርአ። ዳንኤልን ሰበይቱ ሳራንa ስሩዓት ፈለምቲ እዮም ነይሮም። ዳንኤል፡ ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ ‘ኣይፋል ዘይወጾ ዓይነት ሽማግለ’ እዩ ነይሩ። ንዝዀነ ይኹን እተዋህቦ ፍሉይ መሰል ብህንጥዮት ይቕበሎ ነበረ። ንሓሙሽተ መንእሰያት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሎም ነበረ፣ ካባታቶም እቶም ሰለስተ ኸኣ ተጠምቁ። እዞም ሓደስቲ ጥሙቓት ብዙሕ ሓገዝ የድልዮም ነበረ። ዳንኤል ብቲኦክራስያዊ ዕዮታቱ ትሑዝ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ሳራ ሰበይቱ ነቶም ሓደስቲ ጥሙቓት ትሕግዞም ነበረት። ከምኡ እናበለ፡ እቶም ቀደም ዳንኤል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሎም ዝነበረ መንእሰያት፡ ምጽንናዕ ኪደልዩ ኸለዉ ናብ ሳራ ይመጹ ነበሩ። ንሳ ኸኣ ሓልዮት ክትደሊ ኸላ፡ ናባታቶም ትኸይድ ነበረት። በዚ ኸምዚ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ መጻወድያ ተጻወደ። ዳንኤል ከምዚ በለ፦ “ሰበይተይ ንነዊሕ ኣዋርሕ ንኻልኦት ትሕግዞም እኳ እንተ ነበረት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንፈሳውን ስምዒታውን ጕልበት ግና ተጸንቀቐ። እዝን ኣነ ንዓኣ ዕሽሽ ምባለይን ተደማሚሩ ድማ ሕማቕ ሳዕቤን ኣምጽአ። ሰበይተይ ምስ ሓደ ኻብቶም ናይ ቀደም ተመሃሮይ ዘመወት። ኣብቲ ዝነበረኒ ፍሉይ መሰላት ጥራይ አተኵር ስለ ዝነበርኩ፡ ሰበይተይ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዝደኸመት እውን ኣየስተውዓልኩን።” ካብ ከምዚ ዝበለ ዜሕዝን ፍጻመ ኸተምልጥ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14, 15. ክርስትያን ሰብ ሓዳር ካብቲ ኸም ጕድጓድ ዝዀነ ዝሙት ንኼምልጡ፡ እንታይ ረቛሒታት ኪሕግዞም ይኽእል፧

14 ካብቲ ኸም ጕድጓድ ዝዀነ ዝሙት ምእንቲ ኸተምልጥ፡ ብዛዕባ ትርጕም ቃል ኪዳን ኣስተንትን። የሱስ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 19:6) እቲ ዘሎካ ቲኦክራስያዊ ፍሉይ መሰል ካብ መጻምድትኻ ንላዕሊ ኸም ዜገድስ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ብዘይካዚ፡ ብዘየድሊ ንጥፈታት ካብ መጻምድትኻ በብግዜኡ ተፈሊኻ ግዜ ተሕልፍ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓዳርኩም ድኽመት ከም ዘሎ ኼመልክት ይኽእል እዩ፣ ናብ ፈተናን ናብ ከቢድ ሓጢኣትን ድማ ኪመርሓካ ይኽእል እዩ።

15 ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ነቲ መጓሰ እውን ክትሓልየሉ ኣሎካ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 5:2) ንኣባላት ጉባኤኻ ዕሽሽ ክትብሎም የብልካን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኸም ጓሳ መጠን ዘሎካ ግደ ንኽትፍጽም ኢልካ፡ ነቲ ኸም ብዓል ሓዳር መጠን ዘሎካ ግደ ሸለል ክትብሎ የብልካን። ምሉእ ብምሉእ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ምምጋብ ብምትኳርካ፡ መጻምድትኻ ኣብ ቤት “ዚጠሚ” እንተ ዀይኑ፡ ጻዕርኻ ብላሽ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳንኤል፡ “ንስድራ ቤትካ ዕሽሽ እናበልካዮም ክነስኻ፡ ነቲ ዘሎካ ፍሉይ መሰል ንምፍጻም ብትግሃት ምዕያይ ግቡእ ኣይኰነን” በለ።

16, 17. (ሀ) ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ቦታ ስራሖም ምስ ካልእ ሰብ ዘየድሊ ርክብ ኪምስርቱ ኸም ዘይደልዩ ንጹር ኪገብሩ ዚሕግዞም ኣየናይ ግብራዊ ስጕምትታት እዩ፧ (ለ) ንክርስትያናት ካብ ዝሙት ንኺርሕቑ ኺሕግዞም ብዛዕባ ዚኽእል ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ሓሳባት ጥቐስ።

16 ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን፡ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ካብቲ ኸም መጻወድያ ዝዀነ ዝሙት ንኼምልጡ ዚሕግዞም ጽቡቕ ምኽሪ ወጺኡ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ 15 መስከረም 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምኽሪ ሒዛ ወጺኣ ነበረት፦ “ኣብ ስራሕን ኣብ ካልእን፡ ምቅርራብ ኪፈጥር ካብ ዚኽእል ኵነታት ተጠንቀቕ። ንኣብነት፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዄንካ ትርፊ ሰዓታት ምዕያይ፡ ንፈተና ኼቃልዓካ ይኽእል እዩ። ብዓል ሓዳር ከም ምዃንካ መጠን፡ ብዘረባኻን ብጠባይካን ምስ ካልእ ዘየድሊ ርክብ ክትምስርት ከም ዘይትደሊ ንጹር ግበሮ። ኣምልኾ እትስዕብ ብምዃንካ፡ ብምኵሻም ወይ ኣብ ኣከዳድናኻን ትርኢትካን ቅጥዒ ዘይብልካ ብምዃን ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽትስሕብ ከም ዘይትደሊ እተረጋገጸ እዩ። . . . ኣብ ስራሕ ናይ መጻምድትኻን ደቅኻን ስእሊ ምሓዝ፡ ንዓኻን ንኻልኦትን ኣብ ቀዳማይ ቦታ እትሰርዖ ኸም ዘሎ ብዓይኒ ዚርአ መዘኻኸሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፍቕራዊ ምቅርራብ ንምግባር ዚእምት ዝዀነ ይኹን ነገር ከቶ ንኸይተተባብዕ ወይ እውን ስቕ ኢልካ ንኸይትርኢ ቘራጽነት ግበር።”

17 እታ፡ “ኣብ ቃል ኪዳንካ እሙን ምዃን ብሓቂ እንታይ ማለት እዩ፧” ዘርእስታ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2009 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ፡ መጻምድትኻ ምስ ዘይኰነ ሰብ ብጾታዊ መገዲ ኽትቀራረብ ምሕሳብ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቓ ነበረት። እታ ዓንቀጽ ከም ዝገለጸቶ፡ ከምኡ ምግባር ብቐሊሉ ናብ ዝሙት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:14, 15) ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ፡ ምስ መጻምድትኻ ዄንካ በብግዜኡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ እንተ መርመርካዮ ጥበባዊ እዩ። መውስቦ ብየሆዋ እተመስረተ መሰናድዎ ስለ ዝዀነ፡ ቅዱስ እዩ። ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ሓዳርኩም እትዘራረቡሉ ግዜ ምምዳብካ፡ ንቕዱስ ነገራት ከም እተኽብር ከተርኢ እትኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ።—ዘፍ. 2:21-24።

18, 19. (ሀ) ሳዕቤን ዝሙት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቃል ኪዳንካ እሙን ምዃን እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

18 ዘይግቡእ ፍቕራዊ ርክብ ክትምስርት እንተ ተፈቲንካ፡ ብዛዕባ እቲ ምንዝርን ዝሙትን ዘለዎ ጐዳኢ ሳዕቤን ኣስተንትን። (ምሳ. 7:22, 23፣ ገላ. 6:7) እቶም ርኽሰት ዚፍጽሙ ሰባት ንየሆዋ የጕህይዎ፡ ንመጻምድቶምን ንገዛእ ርእሶምን ከኣ ይጐድኡ እዮም። (ሚልክያስ 2:13, 14 ኣንብብ።) እቶም ስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሰባት ብዛዕባ ዚረኽብዎ ጥቕምታት ኣስተንትን። ንሳቶም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሎሚ እውን ዜሐጕስ ህይወት እዮም ዚነብሩ፣ ጽሩይ ሕልና ኸኣ ኣለዎም።—ምሳሌ 3:1, 2 ኣንብብ።

19 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “እቶም ሕግኻ [ሕጊ ኣምላኽ] ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፡ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 119:165) ስለዚ፡ ንሓቂ ኣፍቅራ፣ ‘ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ከም ለባም እምበር፡ ከም ዓሻ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለስ እውን ተመልከት።’ (ኤፌ. 5:15, 16) እቲ እንጓዓዘሉ መገዲ፡ በቲ ሰይጣን ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንምፍንጣር ኢሉ ዘዳለዎ መጻወድያ ዝመልአ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገዛእ ርእስና ኸነዕቍብ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ጸኒዕና ንኽንቀውምን ‘ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ንኸነጥፍኦን’ ኣዕጢቑና እዩ።—ኤፌ. 6:11, 16።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕረ ንዋይ ንመንፈሳውነት ሓደ ሰብ ኪሓንቆ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥመካ ኣይተፍቅድ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምኵሻም ወይ ካልእ ሰብ ኬኳሽመካ ኸሎ ምላሽ ምሃብ ናብ ዝሙት ይመርሕ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ