ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ተጠንቀቕ!
‘ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምልጥ።’ —2 ጢሞ. 2:26።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ንኻልኦት ብዘየድሊ ትነቕፎም እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ኢኻ ርእስኻ ኽትምርምር እትኽእል፧
ብፍርህን ብጸቕጥን ብዛዕባ ምምብርካኽ ካብ ጲላጦስን ጴጥሮስን እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧
መጠኑ ኻብ ዝሓለፈ ጸጸት ክትርሕቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
1, 2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ኣየናይ መፈንጠራ ድያብሎስ ኢና ኽንምርምር፧
ድያብሎስ ንኣገልገልቲ የሆዋ ይሃድኖም እዩ። ይኹን እምበር፡ ወትሩ ልክዕ ከም ሓደ ንግዳዩ ዚቐትል ሃዳናይ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንግዳዩ ብህይወቱ ኸሎ ብምሓዝ፡ ከም ድላዩ ኺገብሮ እዩ ዚደሊ።—2 ጢሞቴዎስ 2:24-26 ኣንብብ።
2 ሓደ መጻወድያ ተጠቒሙ ዚሃድን ሰብ፡ ንግዳዩ ብህይወቱ ኸሎ ንምሓዝ፡ እተፈላለየ ዓይነት መፈንጠራ ይጥቀም ይኸውን። ምናልባት ነቲ ግዳዩ ናብ ቃልዕ ቦታ ኸም ዚወጽእ ብምግባር፡ ብመሸንቆቓ ኺሕዞ ይፍትን ይኸውን። ወይ ከኣ ብሃንደበት ተፈንጢሩ ነቲ እንስሳ ዚሕዞ ሕቡእ መጻወድያ ይጥቀም ይኸውን። ድያብሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብህይወቶም ከለዉ ንምሓዝ፡ ተመሳሳሊ መፈንጠራታት ይጥቀም እዩ። በዚ መፈንጠራታት እዚ ኸይንተሓዝ እንተ ደሊና፡ ንቑሓት ክንከውንን ነቲ ብዛዕባ መፈንጠራ ወይ መጻወድያ ሰይጣን ዚሕብር መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ካብ ሰለስተ መጻወድያ ድያብሎስ ከነዕቍባ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና። እዚ ኸኣ፡ (1) ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ፡ (2) ፍርህን ጸቕጥን፡ ከምኡውን (3) መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት እዩ። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ድማ፡ ብዛዕባ ኽልተ ተወሳኺ መጻወድያ ወይ መፈንጠራ ሰይጣን ክንርኢ ኢና።
ነቲ ምስ ሓዊ ዚመሳሰል ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ ኣጥፍኣዮ
3, 4. ልሳንካ ዘይምቍጽጻር እንታይ ሳዕቤን እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።
3 ሓደ ሃዳኒ ንእንስሳታት ካብ እተሓብኡሉ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ብሓደ ጫፍ ዱር የቃጽል እሞ፡ እቶም እንስሳታት ኪሃድሙ ኺፍትኑ ኸለዉ ይሕዞም። ድያብሎስ እውን ብምሳልያዊ መገዲ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብሓዊ ኼባርዓ ይደሊ እዩ። እንተ ተዓዊቱ ኸኣ፡ ንኣባላት እታ ጉባኤ ኻብቲ ዝነበርዎ ሰላማዊ ዅነታት ኼውጽኦምን ኣብ ኢዱ ኼእትዎምን ይደሊ እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ብዘይፍላጥ ንሰይጣን ክንሕግዞን ብመጻወድያኡ ኽንተሓዝን እንኽእል፧
4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንልሳን ምስ ሓዊ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (ያእቆብ 3:6-8 ኣንብብ።) ንልሳንና ኽንቈጻጸራ እንተ ዘይክኢልና፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓዊ ኸም ዚባራዕ ክንገብር ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ርአ፦ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ፡ ሓንቲ ሓብቲ ስርዕቲ ፈላሚት ከም ዝዀነት ዚሕብር ምልክታ ተነብበ። እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ፡ ክልተ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እቲ ምልክታ ኼዕልላ ጀመራ። ሓንቲ ኻባታተን፡ በቲ ምልክታ ኸም እተሓጐሰትን ነታ ፈላሚት ዕዉትቲ ኽትከውን ከም እትምነየላን ተዛረበት። እታ ኻልአይታ ግና፡ እታ ፈላሚት ንኽትርአ ኢላ ኸምኡ ኸም ዝገበረት ብምዝራብ ንድራኸ እታ ፈላሚት ኣብ ሕቶ ኣእተወቶ። ካብ ክልቲአን፡ ምስ መን ክትቀራረቡ ምደለኹም፧ ብኣዘራርባኣ ኣብታ ጉባኤ ሓዊ ኽትጅምር እትኽእል ኣየነይተን ምዃና ንጹር እዩ።
5. ነቲ ምስ ሓዊ ዚመሳሰል ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ ምእንቲ ኸነጥፍኦ፡ ብኸመይ ኢና ርእስና ኽንምርምር እንኽእል፧
5 ነቲ ምስ ሓዊ ዚመሳሰል ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ ኸነጥፍኦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሱስ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ” በለ። (ማቴ. 12:34) ስለዚ፡ ብቐዳምነት ክንወስዶ ዘሎና ስጕምቲ፡ ልብና ምምርማር እዩ። ጐዳኢ ነገራት ከም እንዛረብ ኪገብረና ኻብ ዚኽእል ሕማቕ ስምዒታት ንርሕቕ ዲና፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ንምርካብ ይመጣጠር ከም ዘሎ ምስ እንሰምዕ፡ ብንጹህ ድራኸ ኸምኡ ይገብር ከም ዘሎ ዲና እንኣምን ወይስ ብስስዐ ተደሪኹ ኸምኡ ይገብር ከም ዘሎ ጌርና ኢና እንጥርጥር፧ ነቐፍቲ ናይ ምዃን ዝንባለ እንተ ኣልዩና፡ ድያብሎስ ንድራኸ እቲ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እዮብ ኣብ ሕቶ ኸም ዘእተዎ ኽንዝክር ኣሎና። (እዮ. 1:9-11) ኣብ ክንዲ ንኣሕዋትና እንጥርጥሮም፡ ስለምንታይ ንነቕፎም ከም ዘለና ኽንምርምር ኣሎና። ከምኡ ኢልና እንሓስበሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ድዩ፧ ወይስ ልብና በቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ፍቕሪ ዝጐደሎ መንፈስ ስለ እተመረዘ እዩ፧—2 ጢሞ. 3:1-4።
6, 7. (ሀ) ንኻልኦት ከም እንነቕፎም ኪገብረና ዚኽእል ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ክንጽረፍ ከለና፡ እንታይ ምላሽ ክንህብ ኣሎና፧
6 ነቐፍቲ ኽንከውን እንኽእለሉ ኻልእ ምኽንያት እስከ ንርአ። ዝረኸብናዮ ኣሳልጦ ኻብ ናይ ካልኦት ብዝያዳ ኺጐልሕ ስለ እንደሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካብ ካልኦት በሊጽና ኽንርአ ንፍትን ንኸውን። ወይ ከኣ ጌጋና ኽንሽፍን ንጽዕር ንህሉ ንኸውን። ንኻልኦት እንነቕፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ ትዕቢት ወይ ቅንኢ፡ ወይ ከኣ ብሰንኪ ጕድለት ርእሰ ምትእምማን ይኹን ብዘየገድስ፡ ሳዕቤኑ ሕማቕ እዩ።
7 ንኻልኦት እንነቕፈሉ ብቑዕ ምኽንያት ዘሎና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ምናልባት ካልእ ሰብ ብእተዛረቦ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ ተጐዲእና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና፡ ሕነ ኽንፈዲ ግቡእ ኣይኰነን። ከምኡ ምግባር፡ ኣብ ሓዊ ነዳዲ ኸም ምፍሳስ ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ምስ ፍቓድ ድያብሎስ ከኣ እዩ ዚሰማማዕ። (2 ጢሞ. 2:26) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ኣሎና። ንሱ ምስ ጸረፍዎ፡ ‘መሊሱ ኣይጸረፈን።’ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ።” (1 ጴጥ. 2:21-23) የሱስ፡ የሆዋ ንነገራት ብናቱ መገድን ኣብ ዝደለዮ ግዜን ከም ዚገብሮ ይተኣማመን ነበረ። ንሕና እውን ኣብ ኣምላኽ ከምኡ ዓይነት ምትእምማን ኪህልወና ኣለዎ። ንዘረባና ንኻልኦት ንምሕዋይ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤና ዘሎ “ማእሰር ሰላም” ክንዕቅቦ ኢና።—ኤፌሶን 4:1-3 ኣንብብ።
ካብቲ ምስ መሸንቈቛ ዚመሳሰል ፍርህን ጸቕጥን ኣምልጥ
8, 9. ጲላጦስ ንየሱስ ንሞት ዝፈረዶ ስለምንታይ እዩ፧
8 ብመፈንጠራ እተታሕዘ እንስሳ፡ ከም ድላዩ ኺንቀሳቐስ ኣይክእልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ብሰንኪ ፍርሂ ወይ ጸቕጢ ዚምብርከኽ ሰብ፡ ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸራ ኣይክእልን እዩ። (ምሳሌ 29:25 ኣንብብ።) ቀጺልና እስከ ብሰንኪ ጸቕጥን ፍርህን ብዛዕባ እተምበርከኹ ሰብኡትን ካብ ተመክሮኦም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእልን ንርአ።
9 እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ የሱስ ንጹህ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ፡ ኪጐድኦ ኣይደለየን ነይሩ። “ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን” ኢሉ ተዛሪቡ እውን ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንየሱስ ንሞት ፈረዶ። ስለምንታይ፧ እቶም ጭፍራ ብዝገበሩሉ ጸቕጢ ስለ እተምበርከኸ እዩ። (ሉቃ. 23:15, 21-25) እቶም ተጻረርቲ ኸምቲ ዝደለይዎ ምእንቲ ኺግበረሎም፡ ንጲላጦስ፡ “ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን” በለዎ። (ዮሃ. 19:12) ጲላጦስ፡ ንክርስቶስ እንተ ፈቲሕዎ፡ ስልጣኑ፡ ወይ እውን ህይወቱ ኺስእን ከም ዚኽእል ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ በቲ ጸቕጢ ተደፊኡ፡ ፍቓድ ድያብሎስ ገበረ።
10. ጴጥሮስ ንክርስቶስ ከም ዚኽሕዶ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧
10 ሃዋርያ ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሱስ እዩ ነይሩ። የሱስ መሲሕ ምዃኑ እውን ብግህዶ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 16:16) ካልኦት ሰባት ንትምህርቲ የሱስ ስለ ዘይተረድእዎ ሓዲጎምዎ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ግና ብተኣማንነት ምስ የሱስ ጠበቐ። (ዮሃ. 6:66-69) ጸላእቲ ንየሱስ ኪሕዝዎ ምስ መጹ እውን፡ ጴጥሮስ ንጐይታኡ ንኺከላኸለሉ ኢሉ ሰይፊ ተጠቕመ። (ዮሃ. 18:10, 11) ጸኒሑ ግና፡ ጴጥሮስ ብሰንኪ ፍርሂ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ዘይፈልጦ ኸሓደ። ንእተወሰነ እዋን በቲ ኸም መፈንጠራ ዝዀነ ፍርሂ ሰብ ስለ እተታሕዘ፡ ትብዓት ዝመልኦ ስጕምቲ ኺወስድ ኣይከኣለን።—ማቴ. 26:74, 75።
11. ምስ ከመይ ዝበለ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኢና ኽንቃለስ ዘሎና፧
11 ከም ክርስትያናት መጠን፡ ነቲ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ነገራት ንኽንገብር ዚወርደና ጸቕጢ ኽንቃወሞ ኣሎና። ኣስራሕቲ ወይ ካልኦት ሰባት፡ ንኸነታልል ወይ ጾታዊ ርኽሰት ንኽንፍጽም ኪደፋፍኡና ይፍትኑ ይዀኑ። ተመሃሮ፡ ኣብ ፈተና ንኪቐድሑ፡ ስእለ ጽዩፍ ንኺርእዩ፡ ሽጋራ ንኼትክኹ፡ ሓሽሽ ንኺወስዱ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንኼብዝሑ፡ ወይ ከኣ ጾታዊ ርኽሰት ንኺፍጽሙ ጸቕጢ ይግበረሎም ይኸውን። እሞኸ ኻብቲ ንየሆዋ ዜጕህዮ ነገራት ንኽንገብር ዚደፋፍእ ከም መፈንጠራ ዝዀነ ፍርህን ጸቕጥን ንኸነምልጥ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
12. ካብ ጲላጦስን ጴጥሮስን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
12 ካብ ጲላጦስን ጴጥሮስን እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ። ጲላጦስ ብዛዕባ ክርስቶስ ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮን። የሱስ ንጹህን ፍሉይ ሰብን ምዃኑ ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ትሕትናን ፍቕሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣይነበሮን። በዚ ኸምዚ፡ ድያብሎስ ንጲላጦስ፡ ብህይወቱ ኸሎ ሓዞ። ጴጥሮስ፡ ቅኑዕ ፍልጠትን ፍቕሪ ኣምላኽን እኳ እንተ ነበሮ፡ ሓድሓደ ግዜ ዓቕሙ ዘይፈለጠሉን ዝፈርሃሉን ብጸቕጢ እተምበርከኸሉን ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ። ጐይታኡ የሱስ ቀቅድሚ ምትሓዙ፡ “ኵሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ” ኢሉ ተነየተ። (ማር. 14:29) ኰይኑ ግና፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ብኣምላኽ እንተ ዚተኣማመን፡ ንፈተና ብግቡእ ምተዳለወ ነይሩ፣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ኣይፈርህን፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 118:6) የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ክልተ ሃዋርያትን ናብ ኣታኽልቲ ስፍራ ጌቴሴማኔ ሒዝዎም ከደ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስን ብጾቱን ንቑሓት ኣብ ክንዲ ዚዀኑ፡ ደቀሱ። የሱስ ካብ ድቃሶም ኣበራቢሩ፡ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን” በሎም። (ማር. 14:38) ጴጥሮስ ግና መሊሱ ደቀሰ፣ ጸኒሑ ድማ ብፍርህን ብጸቕጥን ተምበርከኸ።
13. ነቲ ገለ ጌጋ ንኽንፍጽም ዚወርደና ጸቕጢ ብኸመይ ክንቃወሞ ንኽእል፧
13 ካብ ጲላጦስን ጴጥሮስን ካልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና፣ ነቲ ዜጋጥመና ጸቕጢ ምእንቲ ኽንቃወሞ፡ ልክዕ ፍልጠት፡ ትሕትና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ከምኡውን ፍርሂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ፍርሃት የሆዋ የድልየና እዩ። እምነትና ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመርኰሰት እንተ ዀይና፡ ብዛዕባ እቲ እንኣምነሉ ነገራት ንኻልኦት ብትብዓት ክንነግሮም ኢና። እዚ ኸኣ ንጸቕጥን ንፍርሂ ሰብን ንኽንቃወሞ ኺሕግዘና እዩ። ሓቂ እዩ፡ ብርእስና ኽንተኣማመን የብልናን። የግዳስ፡ ንጸቕጢ ንኽንቃወሞ ዜኽእለና ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዜድልየና ብትሕትና ኣፍልጦ ኽንህብ ኣሎና። መንፈስ የሆዋ ንኺውሃበና ኽንጽሊ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ንስሙን ንስርዓታቱን ክብ ንኸነብሎ ኺድርኸና ኸኣ ክንፈቅድ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ንጸቕጥታት ኣቐዲምና ኽንዳለወሉ ኣሎና። ንኣብነት፡ ደቅና ብጸሎት ኣቐዲሞም እንተ ተዳልዮም፡ መዛኑኦም ገለ ጌጋ ንኺፍጽሙ ኺደፋፍእዎም ከለዉ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺምልሱ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 13:7።a
ካብቲ ምስ ዚጭፍልቕ መጻወድያ ዚመሳሰል መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት ርሓቕ
14. ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምናዮ ጌጋ ብእተተሓሓዘ፡ ድያብሎስ እንታይ ኢልና ኽንድምድም እዩ ዚደሊ፧
14 ግዳያት ኣዘውቲሮም ኣብ ዚንቀሳቐሱሉ መገዲ፡ ጕንዲ ወይ ገዚፍ እምኒ ብምንጥልጣል ዚግበር ሓደ ዓይነት መጻወድያ ኣሎ። ሓደ እንስሳ ነታ እትፍንጠር ገመድ ምስ ተንከፋ፡ እቲ ጕንዲ ወይ እምኒ ኣብ ልዕሊኡ ወዲቑ ይጭፍልቖ። መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት፡ ምስቲ ኺጭፍልቐና ዚኽእል ከቢድ ጾር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምናዮ ጌጋ ኽንሓስብ ከለና፡ ‘እምብዛ እተቐጥቀጥና’ ወይ እተጨፍለቕና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 38:3-5, 8 ኣንብብ።) ሰይጣን፡ ምሕረት የሆዋ ዘይግብኣና ወይ ነቲ የሆዋ ዚሓትቶ ብቕዓታት ከነማልእ ከም ዘይንኽእል ኰይኑ ኺስምዓና እዩ ዚደሊ።
15, 16. ካብቲ ምስ ዚጭፍልቕ መጻወድያ ዚመሳሰል መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት ክትርሕቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
15 ካብቲ ዚጭፍልቕ መጻወድያ ብኸመይ ክንርሕቅ ንኽእል፧ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረካ ርክብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ውዓል ሕደር ከይበልካ ስጕምቲ ውሰድ። ናብ ሽማግለታት ኪድ፡ ንኺሕግዙኻ ኸኣ ሕተቶም። (ያእ. 5:14-16) ንጌጋኻ ንምእራም ዚከኣለካ ግበር። (ማቴ. 3:8) ተግሳጽ እንተ ተዋሂቡካ፡ ሕልና ኣይተዕርብ። ከመይሲ፡ ተግሳጽ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ዚሕብር መረጋገጺ እዩ። (እብ. 12:6) ነቲ ኸም እትሓጥእ ዝገበረካ ስጕምትታት ከይትደግሞ ተጠንቀቕ፣ ንቘራጽነትካ ኸኣ ተግብሮ። ምስ ተነሳሕካን ምስ ተመለስካን፡ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ንጌጋታትካ ኺሽፍኖ ኸም ዚኽእል ተኣማመን።—1 ዮሃ. 4:9, 14።
16 ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ሓጢኣቶም ይቕረ ተባሂሉሎም ክነሱ፡ ብጸጸት ይውሓጡ። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቶም ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ የሱስ ኣብ ኣገዳሲ እዋን ዝጠንጠንዎ ሃዋርያትን ንጴጥሮስን ይቕረ ኸም ዝበለሎም ዘክር። የሆዋ ነቲ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዜሰምብድ ርኽሰት ፈጺሙ እተወገደ እሞ፡ ጸኒሑ እተነስሐ ሰብኣይ እውን ይቕረ ኢሉሉ እዩ። (1 ቈረ. 5:1-5፣ 2 ቈረ. 2:6-8) ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ፡ ግናኸ ተነሲሖም ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ዝረኸቡ ሰባት ይዛረብ እዩ።—2 ዜና 33:2, 10-13፣ 1 ቈረ. 6:9-11።
17. መስዋእታዊ በጃ የሱስ እንታይ እዩ ኺገብረልና ዚኽእል፧
17 ብሓቂ እንተ ተነሲሕካን ንምሕረት የሆዋ እንተ ተቐቢልካዮን፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልካን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምካዮ ጌጋታት ኪርስዖን እዩ። መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንሓጢኣትካ ኺሽፍኖ ዘይክእል ኰይኑ ኣይሰማዕካ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣብ መፈንጠራ ሰይጣን ክትወድቕ ኢኻ። ድያብሎስ፡ እቲ በጃ ንሓጢኣትካ ኺሽፍኖ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኺስምዓካ እኳ እንተ ደለየ፡ እቲ በጃ ንሓጢኣት ኵሎም እቶም ዝሓጥኡ፡ ግናኸ እተነስሑ ሰባት ኪሽፍኖ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 24:16) እታ ኣብቲ በጃ ዘላትካ እምነት፡ ነቲ እተሰከምካዮ ኻብ መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት ኸተውርዶ እያ፣ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻን ኣእምሮኻን ነፍስኻን ንኸተገልግሎ ዜድልየካ ብርታዐ ኸኣ ኽትህበካ ትኽእል እያ።—ማቴ. 22:37።
ንውዲት ሰይጣን ኣይንስሕቶን ኢና
18. ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ክንርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 ሰይጣን፡ ንተሓዘሉ ጥራይ ደኣ እምበር፡ በየናይ መጻወድያ ኸም ዚሕዘና ኣየገድሶን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንውዲቱ ስለ ዘይንስሕቶ፡ ከይብለጸልና ኽንጥንቀቕ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 2:10, 11) ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ጥበብ ኪውሃበና ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ብመፈንጠራ ወይ ብመጻወድያ ሰይጣን ኣይክንተሓዝን ኢና። ያእቆብ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:5) ወትሩ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ንቓል ኣምላኽ ብምትግባርን፡ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜዳልዎ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውቲ፡ ንመጻወድያ ድያብሎስ ንኸነለልዮን ካብኡ ንኽንርሕቕን ይሕግዘና እዩ።
19, 20. እከይ ክንጸልእ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
19 ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ሰናይ ንኽንፈቱ ይሕግዘና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ማዕረ ማዕሪኡ እውን እከይ ክንጸልእ ኣሎና። (መዝ. 97:10) ደድሕሪ ስስዐ ዝመልኦ ትምኒት ምስዓብ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምስትንታን፡ ካብኡ ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:14, 15) እከይ ንጸልእ፡ ሰናይ ከኣ ንፈቱ እንተ ዄንና፡ ንመጻወድያ ሰይጣን ስለ እንጸልኦ፡ ብእኡ ኣይክንታለልን ኢና።
20 ኣምላኽ፡ ሰይጣን ንኸይብለጸልና ዚሕግዘና ብምዃኑስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዘሎና! ብመንፈሱን ብቓሉን ብውድቡን ገይሩ፡ “ካብ ክፉእ” የድሕነና እዩ። (ማቴ. 6:13) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ካብቲ ድያብሎስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብህይወቶም ኪሕዘሉ ዝኸኣለ ኽልተ ውጽኢታዊ መጻወድያታት ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ወለዲ ምስ ደቆም ኰይኖም ነቲ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 132-133 ዚርከብ “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ” ኺመያየጡሉ ኣለዎም። ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩላ ምሸት ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብጸገማት ኬባርዓ ይኽእል እዩ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ኸም ጾር ዝዀነ መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት ክትድርብዮ ትኽእል ኢኻ