“በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ”
“በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ኣታ ወደይ: ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧”—ምሳሌ 5:18, 20
1, 2. ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዚህሉ ፍቕሪ እተባረኸ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብግልጺ ይዛረብ እዩ። ኣብ ምሳሌ 5:18, 19 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ምንጭኻ ይባረኽ: በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ: እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ: ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።”
2 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እታ “ምንጭኻ” እትብል ቃል: ነቲ ምንጪ ጾታዊ ዕግበት እያ እተመልክት። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘሎ ፍቕርን ዕግበትን ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ብምዃኑ: እተባረኸ ኺበሃል ይከኣል እዩ። እዚ ፍሉይ ርክብ ግን: ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጥራይ እዩ ኺርከብ ዚግባእ። ስለዚ: እቲ ንመጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: “ኣታ ወደይ: ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ፧” ኢሉ ሓተተ።—ምሳሌ 5:20
3. (ሀ) ብዙሕ ሓዳር እንታይ ዜሕዝን ነገር የጋጥሞ ኣሎ፧ (ለ) ኣምላኽ ንዝሙት ብኸመይ ይርእዮ፧
3 ኣብ መዓልቲ መርዓ: ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ንኺፋቐሩን እሙናት ንኪዀኑን ቃል ኪዳን ኣትዮም እዮም። ይኹን እምበር: ብሰንኪ ዝሙት ብዙሕ ሓዳር ይፈርስ እዩ። ሓንቲ ተመራማሪት: ን25 መጽናዕትታት ድሕሪ ምምርማራ: “25 ሚእታዊት ኣንስትን 44 ሚእታዊት ሰብኡትን ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም እዮም” ኢላ ደምደመት። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” በለ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) እዚ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ዝሙት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቢድ ሓጢኣት እዩ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኸኣ ኣብ ሓዳሮም ከይጠልሙ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ‘መውስቦ ኽቡር: እቲ መደቀሲ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ’ ዀይኑ ንኪቕጽል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—እብራውያን 13:4
ካብቲ ጐራሕ ልቢ ተጠንቀቕ
4. ሓደ ክርስትያን ብዓል ሓዳር ከይተፈለጦ ኻብ ሓዳሩ ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርተሉ ዚኽእል እንታይ መገድታት ኣሎ፧
4 ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ብልሹው ስነ-ምግባራዊ ሃዋህው: ሓያሎ ሰባት “ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቛርጻ ኣዒንቲ አለዋኦም።” (2 ጴጥሮስ 2:14) ደይ መደይ ኢሎም ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ርክብ ይምስርቱ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሓያሎ ኣንስቲ ስራሕ ስለ ዝጀመራ: ሰብኡትን ኣንስትን ተሓዋዊሶም ብምስራሖም ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ዘይግቡእ ፍቕራዊ ርክብ ንምምስራት ምሹእ ሃዋህው ፈጢሩ እዩ። ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ ዚግበር ዕላላት እውን ነቶም ኣዝዮም ሓናኻት ዚበሃሉ ውልቀ-ሰባት እኳ ኸይተረፈ ዕርክነት ንኺምስርቱ መገዲ ኸፊቱሎም ኣሎ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኸየስተውዓሉ ኣብዚ መጻወድያታት እዚ ይኣትዉ እዮም።
5, 6. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ብኸመይ ክትኣቱ ኽኢላ፧ ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
5 ሓንቲ ንግዜኡ ሜሪ ብዚብል ስም እንጽውዓ ክርስትያን: ጾታዊ ርኽሰት ከም እትፍጽም ኪገብራ ኣብ ዚኽእል ዝነበረ ሓደገኛ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝኣተወት እስከ ንመርምር። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ብዓል ቤታ: ንስድራቤቱ ብዙሕ ፍቕሪ ኣየርእን ነበረ። ሜሪ ቕድሚ እተወሰነ ዓመታት ምስ ሓደ መሳርሕቲ ሰብኣያ እተራኸበትሉ እዋን ትዝ ይብላ። እቲ ሰብኣይ እዱብ ዝጠባዩ እዩ ነይሩ: ጸኒሑ ኸኣ እቲ ሃይማኖታዊ እምነታት ሜሪ ኸም ዘገደሶ ገለጸ። ሜሪ: “ኣዝዩ ሕያዋይ: ካብ ብዓል ቤተይ ከኣ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ” ትብል። ነዊሕ ከይጸንሐት ሜሪን እዚ መሳርሕቲ ሰብኣያን ኪፋቐሩ ጀመሩ። ንርእሳ ግን “ዝሙት ኣይፈጸምኩን: እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣለዎ። ምናልባት ክሕግዞ እኽእል እኸውን” ዚብል መመኽነይታ ኣቕረበት።
6 ሜሪ እቲ ዝሓደራ ፍቕሪ ናብ ዝሙት ቅድሚ ምምራሑ: ናብ ልባ ተመልሰት። (ገላትያ 5:19-21፣ ኤፌሶን 4:19) ሕልናኣ ኺዓዪ ጀመረ: ነቲ ጕዳይ ከኣ ከተቕንዖ ጀመረት። ንሜሪ ዘጋጠማ ተመክሮ: ነቲ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ዚብል እዩ ዜነጽረልና። (ኤርምያስ 17:9) መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ኢሉ ይምዕደና። (ምሳሌ 4:23) ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧
‘ኣስተውዓሊ ሰብ ይሕባእ’
7. ኣብ ሓዳሩ ጸገማት ንዘለዎ ሰብ ክትሕግዝ ከለኻ: እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ምስዓብ እዩ ዕቝባ ዚኸውን፧
7 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:12) ምሳሌ 22:3 ኸኣ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ትብል። እምብዛ ኣብ ርእስኻ ብምትእምማን ‘ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እየ’ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓስብ: ናብ ጸገማት ኪመርሕ ዚኽእል ኵነታት ኣቐዲምካ ምፍላጡ ጥበብ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓዳር እተሓላለኸ ጸገማት ንዜጋጥሞ ዘሎ ኣንጻር ጾታ: በይንኻ ጥራይ ተኻፋሊ ምስጢሩ ኣይትኹን። (ምሳሌ 11:14) ነቲ ሰብ ከኣ ኣብ ሓዳሩ ዜጋጥሞ ጸገማት ምስ መጻምድቱ: ንሓዳሩ ዕዉት ኪኸውን ምስ ዚደሊ ሕደ ጾታ ዘለዎ ብሱል ክርስትያን: ወይ ምስ ሽማግለታት እንተ ተመያየጠሉ ኸም ዚሓይሽ ንገሮ። (ቲቶስ 2:3, 4) እቶም ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ሽማግለታት ኣብዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ እዮም። ሓደ ሽማግለ ንሓንቲ ክርስትያን ብውልቂ ኺዛረባ እንተ ደልዩ: ኣብ ከም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታ እዩ ዚዛረባ።
8. ኣብ ስራሕ እንታይ ጥንቃቐ ኺግበር የድሊ፧
8 ኣብ ስራሕን ኣብ ካልእን: ምቅርራብ ኪፈጥር ካብ ዚኽእል ኵነታት ተጠንቀቕ። ንኣብነት: ምስ ኣንጻር ጾታ ዄንካ ትርፊ ሰዓታት ምዕያይ: ንፈተና ኼቃልዓካ ይኽእል እዩ። ብዓል ሓዳር ከም ምዃንካ መጠን: ብዘረባኻን ብጠባይካን ምስ ካልእ ዘየድሊ ርክብ ክትምስርት ከም ዘይትደሊ ንጹር ግበሮ። ኣምልኾ እትስዕብ ብምዃንካ: ብምኵሻም ወይ ኣብ ኣከዳድናኻን ትርኢትካን ቅጥዒ ዘይብልካ ብምዃን ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽትስሕብ ከም ዘይትደሊ እተረጋገጸ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 6:11፣ 1 ጴጥሮስ 3:3, 4) ኣብ ስራሕ ናይ መጻምድትኻን ደቅኻን ስእሊ ምሓዝ: ንዓኻን ንኻልኦትን ኣብ ቀዳማይ ቦታ እትሰርዖ ኸም ዘሎ ብዓይኒ ዚርአ መዘኻኸሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፍቕራዊ ምቅርራብ ንምግባር ዚእምት ዝዀነ ይኹን ነገር ከቶ ንኸይተተባብዕ ወይ እውን ስቕ ኢልካ ንኸይትርኢ ቘራጽነት ግበር።—እዮብ 31:1
“ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር”
9. ምስ ኣንጻር ጾታ ዚምስረት ርክብ ሰሓቢ ዚገብሮ እንታይ ተኸታታሊ ፍጻመታት እዩ፧
9 ንልቢ ምሕላው ኪበሃል ከሎ: ካብ ሓደገኛ ዅነታት ምምላጥ ጥራይ ኣይኰነን ዜጠቓልል። ካብ ሓዳር ወጻኢ ምስ ዝዀነ ኣንጻር ጾታ ፍቕራዊ ምስሕሓብ ምስ ዚህሉ: እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ንሓድሕዶም ግቡእ ቈላሕታ ኸም ዘይገብሩ ዘለዉ እዩ ዚሕብር። እታ ሰበይቲ ብቐጻሊ ዕሽሽ ትብሎ: ወይ እቲ ሰብኣይ ወትሩ ይነቕፋ ይኸውን። ብሃንደበት ኣብ ስራሕ ወይ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከብ ሰብ: ካብቲ መጻምድቲ ዝጐደለ ባህርያት ዝሓዘ ኺመስል ይኽእል እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ይፋተዉ: እቲ ሓድሽ ርክብ ከኣ ኣዝዩ ሰሓቢ ይኸውን። እዚ ረቂቕ ተኸታታሊ ፍጻመታት ንሓቅነት እቲ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላት እዩ ዜረጋግጽ።—ያእቆብ 1:14
10. ሰብኡትን ኣንስትን ንርክቦም ኬደልድሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
10 ሰብኡትን ኣንስትን ዚፈትዎም: ዓርኪ ዚዀኖም: ወይ ኣብ ፈታኒ እዋን ደገፍ ዚህቦም ደልዮም ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ሰብ ኣብ ክንዲ ዜናድዩ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ዘለዎም ፍቕራዊ ርክብ ንኼደልድልዎ ኺጽዕሩ ኣለዎም። እምበኣር: ብእተኻእለኩም መጠን ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ: ብዝያዳ ኸኣ ተቐራረቡ። ንኽትፋቐሩ ዝገበረኩም ምኽንያታት ኣስተንትኑሉ። ነቲ መጻምድትኹም ዝነበረኩም ፍቕሪ ኸተሐድሱ ፈትኑ። ብዛዕባ እቲ ብሓባር ዘሕለፍኩምዎ ጽቡቕ ግዜያት ሕሰቡ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢሉ ንየሆዋ ለሚንዎ እዩ። (መዝሙር 51:10) ‘በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልትታት ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር።’—መክብብ 9:9
11. ፍልጠትን ጥበብን ምስትውዓልን ንማእሰር ሓዳር ኣብ ምድልዳል እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧
11 ፍልጠትን ጥበብን ምስትውዓልን ንማእሰር ሓዳር ንምድልዳል ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ዕሽሽ ኪበሃል ዚግባእ ኣይኰነን። ምሳሌ 24:3, 4 “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ” ትብል። ገለ ኻብቲ ንሓጐስ ዘለዋ ቤት ዚመልኣ ኽቡር ነገራት: ፍቕርን ተኣማንነትን ፍርሃት ኣምላኽን እምነትን ኪጥቀስ ይከኣል። ነዚ ንምጥራይ ፍልጠት ኣምላኽ የድሊ። እምበኣር ሰብ ሓዳር ንፉዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዀኑ ኣለዎም። ጥበብን ምስትውዓልንከ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ንመዓልታዊ ጸገማት ብዓወት ንኽትሰግሮ ጥበብ: ማለት ንቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ክእለት የድሊ። ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ: ነቲ መጻምድቱ ዘለዎ ሓሳባትን ስምዒታትን ኪርዳእ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 20:5) የሆዋ ብሰሎሞን ኣቢሉ: “ወደየ: . . . ናብ ጥበበይ ኣቕልብ: ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን” በለ።—ምሳሌ 5:1
“መከራ” ኣብ ዚህልወሉ እዋን
12. ሰብ ሓዳር ጸገማት ዜጋጥሞም ምዃኑ ዘየገርም ስለምንታይ እዩ፧
12 ፍጹም ዚበሃል ሓዳር የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ: ሰብኡትን ኣንስትን “ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም” እውን ይብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ጭንቀት: ሕማም: መስጐጕቲ: ከምኡውን ካልእ ረቛሒታት ኣብ ሓዳር ውጥረት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ጸገማት ኪለዓል ከሎ ግን: ከም እሙናት ሰብ ሓዳር መጠን ንየሆዋ ኸተሐጕሱ እናጸዓርኩም ነቲ ፍታሕ ብሓባር ከተናድዩ ኣሎኩም።
13. ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ እንታይ መዳያት እዮም ርእሶም ኪምርምሩ ዚኽእሉ፧
13 ብሰንኪ እቲ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዘለዎም ኣተሓሕዛ: ሓዳሮም ኣብ ውጥረት እንተ ኣትዩኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ፍታሕ ንምርካብ ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ። ንኣብነት: ቀስ እናበለ ዓጺቕ ዘረባ ናብቲ ሓዳር ኣትዩ ኽፍሊ እቲ ሓዳር ኰይኑ ይኸውን። (ምሳሌ 12:18) ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተገልጸ: እዚ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስላ: “ካብ ምስ ናግራምን መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ” ይብል። (ምሳሌ 21:19) ሰበይቲ እንተ ዄንኪ: ‘ሰብኣየይ ብሰንኪ ጠባየይ: ምሳይ ግዜ ንኼሕልፍ የጸግሞ ኣሎ ድዩ፧’ ኢልኪ ሕተቲ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት “ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን” ይብሎም። (ቈሎሴ 3:19) ሰብኣይ እንተ ዄንካ: ‘ጠባየይ ንሰበይተይ ካብ ካልኦት ምጽንናዕ ንኽትደሊ ይፍትና ኣሎ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተት። ልክዕ እዩ: ጾታዊ ርኽሰት ንምፍጻም ዜኽእል ብቑዕ መመኽነይታ የለን። ኰይኑ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ነገር ኬጋጥም ዚኽእል ስለ ዝዀነ: ነቲ ጸገማት ብግህዶ ንምምይያጥ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ።
14, 15. ኣብ ሓዳር ንዜጋጥም ጸገማት ካብ ሓዳር ወጻኢ ብምኻድ ኪፍታሕ ዘይከኣል ስለምንታይ እዩ፧
14 ካብ ሓዳር ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ብእትምስርቶ ርክብ ክትደዓዓስ ምድላይ: ኣብ ሓዳር ንዜጋጥም ጸገም ፍታሕ ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ናበይ እዩ ኺመርሕ ዚኽእል፧ ናብ ሓድሽን ዝሓሸን ሓዳር ድዩ፧ ገሊኦም ከምኡ ኢሎም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ‘እዛ ሰብ እዚኣ እቲ ኻብ መጻምድተይ ዝደልዮ ባህርያት ኣለዋ’ ኢሎም ይማጐቱ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ መመኽነይታ ግን ቅቡል ኣይኰነን። ከመይሲ: ንመጻምድቱ ዚሓድግ ወይ ንኽትሓድግ ዜተባብዓካ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ንቕድስና ሓዳር እዚ ዚበሃል ኣኽብሮት የብሉን። ከምዚ ዓይነት ርክብ ዝሓሸ ሓዳር ንኪኸውን ትጽቢት ኪግበረሉ ኣይግባእን።
15 እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሜሪ: እቲ ዝሰዓበቶ መገዲ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ: ከምኡውን እዚ ንዓኣ ዀነ ንኻልእ ሰብ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝስእኑ ዚገብር ምዃኑ ኣዕሚቛ ሓሰበትሉ። (ገላትያ 6:7) ከምዚ ድማ በለት:- “ንመሳርሕቲ ሰብኣየይ ዘሎኒ ስምዒታት ክምርምሮ ምስ ጀመርኩ: እዚ ሰብ እዚ ነታ ሓቂ ንምፍላጥ ዝነበሮ ኣጋጣሚ እዓጽዎ ኸም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ኣበሳ ንዅሉ እቲ ኣብኡ እተሳተፈ ብኣሉታ ይጸልዎ: ንኻልኦት ከኣ ይዕንቅፎም!”—2 ቈረንቶስ 6:3
እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚድርኸና ነገር
16. ገለ ኻብቲ ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ዜስዕቦ ነገራት እንታይ እዩ፧
16 መጽሓፍ ቅዱስ “ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ: ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ። መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር: ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ” ኢሉ የጠንቅቕ። (ምሳሌ 5:3, 4) ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ንዳሕራዩ ስቓይ ኬስዕብ ይኽእል: ቀታሊ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ዚርብሽ ሕልና: ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት: ከምኡውን ንመጻምድቲ እቲ ዘይእሙን ሰብ ዚወርዶ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ኺጥቀስ ይከኣል። እዚ ኣብ ሓዳር ናብ ጥልመት ኬምርሕ ዚኽእል ነገር ንኸይትጅምር ምኽንያት ከም ዚኸውን እተረጋገጸ እዩ።
17. ኣብ ሓዳር ተኣመንቲ ንኽንከውን ልዕሊ ዅሉ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧
17 ኣብ ሓዳር ጠላም ምዃን ጌጋ ዝዀነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ግን: እቲ መስራቲ ሓዳር ከምኡውን ወሃቢ ጾታዊ ኽእለት ዝዀነ የሆዋ ስለ ዚዅንኖ እዩ። ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ ‘ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ: ኣነ ኣንጻር ዘመውቲ ቕልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ’ በለ። (ሚልክያስ 3:5) ምሳሌ 5:21 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚርእዮ ነገራት: “መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ: ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ” ትብል። እወ: “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ።” (እብራውያን 4:13) ኣብ ሓዳር ተኣመንቲ ንኽንከውን ልዕሊ ዅሉ ዚድርኸና እምበኣር: እቲ ጥልመት እተሰትረ ይሰተር ብዘየገድስ ከምኡውን እቲ ኣካላዊ ወይ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ዝነኣሰ ይንኣስ ብዘየገድስ: ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ርኽሰት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎ ርክብ ዜበላሹ ምዃኑ እዩ።
18, 19. ካብቲ ዮሴፍ ምስ ሰበይቲ ጶጢፋር ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ትመሃር፧
18 ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ኪህልወካ ምድላይ ሓያል ድራኸ ኸም ዜሕድር: ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ዝሓደጎ ኣብነት ይሕብረና። ኣብ ዓይኒ ጶጢፋር: በዓል መዋእል ፈርኦን: ሞገስ ብምርካቡ: ኣብ ቤት ጶጢፋር ፍሉይ ቦታ ነበሮ። ዮሴፍ “መልክዔኛ: ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ:” ስለዚ ድማ ሰበይቲ ጶጢፋር ዓይና ኣውደቐትሉ። መዓልቲ መዓልቲ ኸተስሕቶ እኳ እንተ ፈተነት: ጻዕርታታ ግን ፍረ ኣየፍረየን። ዮሴፍ ንዅሉ እቲ ዘቕረበትሉ ሕቶታት ንኺነጽጎ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ንሱ ድማ እናአበየ: ንሰበይቲ ጐይታኡ፤ እንሆ: ጐይታይ . . . ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን: ሰበይቱ ኢኺ እሞ: ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ በላ።”—ዘፍጥረት 39:1-12
19 እቲ ዘይተመርዓወ ዝነበረ ዮሴፍ: ምስ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ብዘይምትንኻፍ ስነ-ምግባራዊ ንጽህናኡ ሓለወ። ምሳሌ 5:15 ንምርዑዋት ሰብኡት “ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ: ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ” ትብሎም። ብዘይፍላጥ ካብ ሓዳርካ ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ምስሕሓብ ከይፍጠር ተጠንቀቕ። ኣብ ሓዳርካ ማእሰር ፍቕሪ ንኺድልድል ጽዓር: ዝዀነ ይኹን ኣብ ሓዳር ዜጋጥመካ ጸገማት ከኣ ክትፈትሖ ኣበርቲዕካ ዕየ። እወ: “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።”—ምሳሌ 5:18
እንታይ ተማሂርካ፧
• ሓደ ክርስትያን ከይተፈለጦ ምስ ኣንጻር ጾታ ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርት ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
• ሓደ ሰብ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ንኸይፋቐር ኪሕግዞ ዚኽእል እንታይ ዚገብሮ ጥንቃቐታት እዩ፧
• ሰብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ: እንታይ ኪገብሩ ይግባእ፧
• ኣብ ሓዳር ተኣማኒ ንምዃን ልዕሊ ዅሉ ዚድርኽ ነገር እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ዜሕዝን: ኣብያተ-ጽሕፈት ዘይግቡእ ፍቕራዊ ርክብ ንምምስራት ምሹእ ሃዋህው ኪፈጥር ይኽእል እዩ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
‘ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ጽቡቕ ዘበለ ዅሉ ዚመልእ’