ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 38 ገጽ 92-ገጽ 93 ሕ.ጽ. 2
  • የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዝሓየለ ሰብኣይ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ከም ሲምሶን፡ ኣብ የሆዋ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 38 ገጽ 92-ገጽ 93 ሕ.ጽ. 2
ሲምሶን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዳጎን ዚርከብ ኣዕኑድ ይደፍኦ፡ እቲ ህንጻ እውን ይፈርስ

ትምህርቲ 38

የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ

ብዙሓት እስራኤላውያን መሊሶም ጣኦታት ኬምልኹ ጀመሩ። የሆዋ ኸኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ንምድሪ እስራኤል ኪቈጻጸርዋ ሓደጎም። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ገሊኦም እስራኤላውያን ነበሩ። ሓደ ኻባታቶም ማኖኣ ዝስሙ ነበረ። ንሱን ሰበይቱን ድማ ውሉድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ፡ የሆዋ ንመልኣኹ ናብ ሰበይቲ ማኖኣ ለኣኾ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ‘ወዲ ኽትወልዲ ኢኺ። ንሱ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ፍልስጥኤማውያን ኬናግፎም እዩ። ናዝራዊ እውን ኪኸውን እዩ’ በላ። ናዝራውያን ዚብሃሉ መን ምንባሮምሲ ትፈልጥዶ፧ ፍሉያት ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም ነይሮም። ናዝራውያን ጸጕሮም ኪቘርጹ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ።

ጸኒሑ፡ ወዲ ማኖኣ ተወልደ፣ ስሙ ኸኣ ሲምሶን ተባህለ። ሲምሶን ምስ ዓበየ፡ የሆዋ ብዙሕ ኣሐየሎ። ብኢዱ ጥራይ እኳ ኣንበሳ ኪቐትል ይኽእል ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንሱ በይኑ ጥራይ 30 ፍልስጥኤማውያን ቀተለ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ይጸልእዎ ነበሩ፣ ኪቐትልዎ እውን መገድታት የናድዩ ነበሩ። ሓደ ለይቲ፡ ሲምሶን ኣብ ጋዛ ደቂሱ ኸሎ፡ ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎ ኢሎም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ይጽበይዎ ነበሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ግና፡ ሲምሶን ተንሲኡ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸደ፣ ነቲ መዓጹ ኸኣ ካብቲ መንደቕ መንቈሶ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መዓጹ ኣብ መንኵቡ ተሰኪሙ፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ።

ድሕርዚ፡ ፍልስጥኤማውያን ናብ ደሊላ እትብሃል ዓርኪ ሳምሶን ከይዶም፡ ‘ሲምሶን ስለምንታይ ሓያል ከም ዝዀነ እንተ ነጊርክና፡ ኣሽሓት ብሩር ክንህበኪ ኢና። ሒዝና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸነእትዎ ንደሊ ኢና’ በልዋ። ደሊላ ኸኣ ነቲ ገንዘብ ስለ ዝደለየቶ፡ ምስ ሓሳቦም ተሰማምዐት። ኣብ መጀመርታ፡ ሲምሶን ስለምንታይ ሓያል ከም ዝዀነ ኣይነገራን። ደጋጊማ ኛኽ እናበለት ምስ ኣሐለለቶ ግና፡ ምስጢሩ ነገራ። ‘ናዝራዊ ስለ ዝዀንኩ፡ ጸጕረይ ተላጽዩ ኣይፈልጥን እዩ’ በላ። ቀጺሉ ድማ፡ ‘ጸጕረይ እንተ ተላጽዩ፡ ሓይሊ ኻባይ ኪውሰድ እዩ’ በላ። ሲምሶን ከምኡ ኢሉ ብምንጋሩስ ዓብዪ ጌጋ ደይኰነን ተጋግዩ፧

ደሊላ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን፡ ‘ምስጢሩ ፈሊጠዮ እየ’ በለቶም። ሽዑ፡ ንሲምሶን ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፣ ብኻልእ ሰብ ድማ ርእሱ ኣላጸየቶ። ደሊላ ኸኣ፡ ‘ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን ኣብዚ ኣለዉ!’ ኢላ ጨደረት። ሲምሶን ድማ ተበራበረ፣ ሓይሊ ግና ኣይነበሮን። ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ሒዞም ኣንቈርዎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ኣእተዉዎ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣሽሓት ፍልስጥኤማውያን ኣብ ቤተ መቕደስ ዳጎን ዚብሃል ኣምላኾም ተኣኪቦም ከለዉ፡ ‘ኣምላኽና ንሲምሶን ሂቡና! ንሲምሶን ኣምጽእዎ! መስሓቒ ድማ ኪዀነና እዩ’ በሉ። ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ፣ የላግጹሉ እውን ነበሩ። ሲምሶን ድማ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ሓንሳእ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ’ ኢሉ ለመነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጸጕሩ ኺበቍል ጀሚሩ ነበረ። ሲምሶን ከኣ ንኣዕኑድ እቲ ቤተ መቕደስ ብዘለዎ ሓይሊ ደፍኦ። ብዘሎ እቲ ህንጻ ድማ ፈረሰ፣ እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ከኣ ሞቱ፣ ሲምሶን እውን ሞተ።

“በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊልጲ 4:13

ሕቶታት፦ ሲምሶን ኣዝዩ ሓያል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሲምሶን ንደሊላ፡ ሓይሉ ኻበይ ምዃኑ ድሕሪ ምንጋሩ እንታይ እዩ ዝዀነ፧

መሳፍንቲ 13:1–16:31

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ