ዛንታ 54
እቲ ዝሓየለ ሰብኣይ
ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነብሩ እቲ ዝሓየለ ሰብኣይ ስሙ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ሲምሶን እተባህለ መስፍን ኢዩ ነይሩ። ንሲምሶን ሓይሊ ዝሃቦ የሆዋ ኢዩ። አረ ሲምሶን ከይተወልደ ከሎ: የሆዋ ነዲኡ ‘ወዲ ክትወልዲ ኢኺ። ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ንምድሓን ከኣ ክመርሖም ኢዩ’ በላ።
ፍልስጥኤማውያን ኣብ ከነኣን ዝነብሩ እኩያት ሰባት ኢዮም። ብዙሓት ተዋጋእቲ ሰባት ነበርዎም: ንእስራኤላውያን ከኣ ብሓቂ ጐድእዎም። ሓደ መዓልቲ ሲምሶን ናብቲ ፍልስጥኤማውያን ዝነብርሉ ቦታ ክኸይድ ከሎ: ገዚፍ ኣንበሳ እናጓዘመ ናብኡ መጸ። ሲምሶን ግን ብጥራይ ኢዱ ነቲ ኣንበሳ ቀተሎ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ እኩያት ፍልስጥኤማውያን እውን ቀተለ።
ድሓር ሲምሶን ሓንቲ ደሊላ እተባህለት ሰበይቲ ኣፍቀረ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንሲምሶን ዘሐይሎ እንታይ ምዃኑ እንተድኣ ነጊራቶም ነፍሲ ወከፎም 1,100 ሲቃል ብሩር ከም ዝህብዋ ንደሊላ ተማባጽዑላ። ደሊላ ኸኣ ንዅሉ እቲ ገንዘብ ክትወስዶ ደለየት። ናይ ሲምሶን ወይ ከኣ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ፈታዊት ኣይነበረትን። ስለዚ ንሲምሶን ዘሐይሎ እንታይ ምዃኑ ደጋጊማ ሓተተቶ።
ደሊላ ኣብ መወዳእትኡ: ሲምሶን ምስጢር ናይ ሓይሉ ከም ዝነግራ ገበረት። ‘ካብታ እተወለድኩላ መዓልቲ ጀሚሩ ኣምላኽ ብፍላይ ንዕኡ ዘገልግል ክኸውን ሓረየኒ: ናዝራዊ ኸኣ ኢየ። ርእሰይ ተላጽየ ኣይፈልጥን ኢየ። እንተ ተላጸኹ ኸኣ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ’ ኢሉ ነገራ።
ደሊላ እዚ ምስ ፈለጠት ንሲምሶን ኣብ ሕቝፋ ኣደቀሰቶ። ሽዑ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ ከም ዝላጽዮ ገበረት። ሲምሶን ምስ ተንስአ ሓይሉ ጠፍአ። ድሕርዚ ፍልስጥኤማውያን መጺኦም ሓዝዎ። ክልቲኡ ኣዒንቱ ኸኣ ኣውጽእዎ እሞ ባርያኦም ገበርዎ።
ሓደ መዓልቲ ፍልስጥኤማውያን ንዳጎን ኣምላኾም ንምምላኽ ዓቢ በዓል ገበሩ: ንኽላገጽሉ ኸኣ ንሲምሶን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ። ክሳዕ ሽዑ ጸጕሪ ርእሲ ናይ ሲምሶን እንደገና ክበቍል ጀሚሩ ነበረ። ሲምሶን ከኣ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ወዲ ‘ኣብቲ ነቲ ቤት ደጊፍዎ ዘሎ ኣዕኑድ ምእንቲ ክሕዝ ናብኡ ውሰደኒ’ በሎ። ድሕርዚ ሲምሶን የሆዋ ሓይሊ ክህቦ ጸለየ እሞ ነቲ ኣዕኑድ ሓዞ። ‘ምስ ፍልስጥኤማውያን እሙት’ ኢሉ ድማ ጨደረ። ኣብቲ በዓል 3,000 ፍልስጥኤማውያን ነበሩ: ሲምሶን ጉብጥ ኢሉ ነቲ ኣዕኑድ ሒዙ ምስ ደፍኦ ኸኣ እቲ ህንጻ ወደቐ: ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ከኣ ቀተሎም።