ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንዘሎ ተኣምራት ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧
ሓደ ሰብ ዜደንቕ ዛንታ እንተ ዚነግረካ፡ ተኣማንነት እቲ ሰብ፡ ነቲ ዛንታ ንኽትኣምኖ ወይ ንኸይትኣምኖ ጽልዋ ኣይምገበረልካንዶ፧ እዚ ተኣማንነት እዚ፡ እቲ ሰብ ነቲ ዛንታ ዝነገረሉ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓቂ ብዛዕባ ምዝራብ ንዘለዎ ስም እውን የጠቓልል። ንዓመታት ዚኣክል ኵሉ ሳዕ ሓቂ ዚዛረበካ እንተ ነይሩ፡ ደይ መደይ ኢሉ ኸኣ ሓስዩካ ዘይፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሕጂ ዝነገረካ ነገር ንኽትኣምኖ ብቑዕ ምኽንያት ምሃለወካ።
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት እውን ከምኡ እዩ። እቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት ኪፍጸም ከሎ፡ ዋላ ሓደ ኻባና ብህይወት ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ፡ ዜተኣማምን ወይ ሓቂ እንተ ዀይኑ ኽንውስን ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ ተኣምራት ዚገልጽ ጸብጻብ ዚእመን ምዃኑ ዜረጋግጽ ተወሳኺ ረቛሒታት እንሆ።
ሓያሎ ተኣምራት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት እዩ ተፈጺሙ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ተኣምራት ብኣሽሓት፡ ምናልባት እውን ብሚልዮናት ብዚቝጸሩ ሰባት ይርአ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 14:21-31፣ 19:16-19) ብሕቡእ ወይ ብስዉር እተገብረ ኣይኰነን።
እቲ ተኣምራት ፍሉይ ምቅርራባት ኣይነበሮን። ዜንጸባርቕ ወይ ፍሉይ ናውቲ ምርኢት ኰነ ዜደናግር መብራህቲ ኣይነበረን። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት፡ ብወዝብን ውልቀ ሰባት ብዘቕረብዎ ሕቶን ደኣ እምበር ብቘጸራ እተገብረ ኣይኰነን ነይሩ። (ማርቆስ 5:25-29፣ ሉቃስ 7:11-16) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ነቲ ተኣምራት ዝፈጸመ ሰብ ፍሉይ ናይ መድረኽ ምርኢት ኪገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ።
እቶም ተኣምራት ዚፍጽሙ ዝነበሩ ሰባት፡ ዝናን ክብርን ሃብትን ንምርካብ ዚብል ድራኸ ኣይነበሮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣምላኽ ኬኽብሩ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። (ዮሃንስ 11:1-4, 15, 40) እቶም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ሓይልታት ሃብቲ ኺረኽቡ ዚደልዩ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ተዀኒኖም እዮም።—2 ነገስት 5:15, 16, 20, 25-27፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:18-23።
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት እተፋላለየ ምዃኑ፡ ግብሪ ሰብ ጥራይ ኪኸውን ከም ዘይክእል ይሕብር። ንኣብነት፡ ባሕርን ንፋስን ሃዲኡ፡ ማይ ናብ ወይኒ ተቐዪሩ፡ ዝናም ኣቋሪጹን ጀሚሩን እዩ፣ ከምኡውን ሕሙማት ሓውዮም፡ ዓይነ ስውራን ድማ ኪርእዩ ኽኢሎም እዮም። ኵሉ እዚ ተኣምራት እዝን ሓያሎ ኻልእን ንዅሉ ነገራት ኪቈጻጸር ዚኽእል ልዕለ ሰብኣዊ ባህርይ ከም ዘሎ ይሕብር።—1 ነገስት 17:1-7፣ 18:41-45፣ ማቴዎስ 8:24-27፣ ሉቃስ 17:11-19፣ ዮሃንስ 2:1-11፣ 9:1-7።
እቶም ነቲ ተኣምራት ዝረኣይዎ ተጻረርቲ፡ ከም እተፈጸመ ኣይከሓዱን። የሱስ ንኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ኣተንስኦ፡ እቶም ጸላእቲ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣልኣዛር ሞይቱ ኸም ዝነበረ ኣይከሓዱን። ከመይ ገይሮም እዮም እሞ ኪኽሕዱ፧ ከመይሲ፡ ኣልኣዛር ንኣርባዕተ መዓልቲ ተቐቢሩ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 11:45-48፣ 12:9-11) ድሕሪ ሞት የሱስ ዘመናት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ፡ ጸሓፍቲ ናይ ኣይሁድ ታልሙድ፡ የሱስ ተኣምራዊ ሓይልታት ይገብር ከም ዝነበረ ተኣሚኖም እዮም። ንምንጪ እቲ ተኣምራዊ ሓይልታት ግና ኣይኣመኑሉን። ብተመሳሳሊ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ደው ምስ በሉ፡ “ተኣምር ጌርኩምዶ፧” ዚብል ሕቶ ዘይኰነስ፡ “በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገበርኩምዎ፧” ዚብል ሕቶ እዩ ቐሪቡሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 4:1-13።
ስለዚ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተኣምራት ዚነገረና ዛንታ ኽትኣምኖ ትኽእልዶ፧ ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ እቲ ብዛዕባ ተኣምራት ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ነቲ ጸብጻባት እቲ ንኽንኣምኖ ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ፍጻመ ኺነግረና ኸሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግዜን ቦታን ስም ሰባትን ይጠቅስ እዩ። ሃያስያን መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ኸይተረፉ፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ ልክዕነቱ ይግረሙ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብኣማእታት ዚቝጸር ትንቢታት፡ እቲ ደቀቕቲ ዝርዝራቱ እውን ከይተረፈ ተፈጺሙ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ዕድመን መነባብሮን ንዘለዎም ሰባት ዚዓዪ፡ ብኸመይ ምስ ሰባት ተሓጒስና ኽንነብር ከም እንኽእል ዚገልጽ ብዙሕ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ርክብ ዚህቦ ምኽሪ ድማ፡ መዋዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ኣመስኪሩ እዩ።
ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዘይትተኣማመነሉ እንተ ዄንካ፡ ግዜ ወሲድካ ንምንታይ ኣጸቢቕካ ዘይትምርምሮ፧ ዝያዳ ብዝፈለጥካዮ መጠን፡ ኣብኡ ዘሎካ ምትእምማን እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። (ዮሃንስ 17:17) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተፈጸመ ተኣምራት ንዚነግረካ ነገራት ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ክትርኢ ኢኻ። ነዚ ጸብጻባት እዚ እንተ ኣሚንካዮ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ዚመጽእ ከም ዚፍጸም ዚዛረበሉ ነገራት ንኽትኣምኖ ኣይኬጸግመካን እዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ጸላእቲ የሱስ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ ኸም ዝነበረ ኣይከሓዱን