ብተኣምራት ክትግደስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
“ትርጕም ተኣምራት፡ ንመሰረታዊ ሕግታት ስነ ፍልጠት ዚጥሕስ እዩ።” —ሪቻርድ ዶከንስ፡ ፕሮፌሰር ፓብሊክ ኣንደርስታንዲንግ ፎር ሳይንስ ዝነበረ።
“ብተኣምራት ምእማን ምሉእ ብምሉእ ርትዓዊ እዩ። ምስ እምነት ዚጋጮ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ንፍጥረት ከም ዜፍቅሮን ብቐጻሊ ኣብኡ ኸም ዚሳተፍን ዚሕብር ምልክት እዩ።”—ሮበርት አ. ላርመር፡ ፕሮፌሰር ፍልስፍና
“ብተኣምራት ትኣምን ዲኻ፧” ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣዝዩ እተፈላለየ ሓሳባት ዚወሃብ እኳ እንተ ዀነ፡ ንስኻኸ እንታይ ትብል፧
“እወ፡ እኣምን እየ” ኢልካ ንኽትምልስ ሰጋእ መጋእ ትብል ትኸውን። ከም እትኣምን እንተ ገሊጽካ፡ ማሪታዊ ወይ ዘይምሁር ዜብለካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ሓያሎ ሰባት ከምኡ እዩ ዚስምዖም።
ብኣንጻሩ ግና፡ ተኣምራት ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ትኣምን ትኸውን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ፡ ንኣብነት፡ ሙሴ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ኸም ዝመቐሎ ዚገልጽ ተኣምራት ትኣምኖ ትኸውን። ኣብ ግዜና እውን ተኣምራት ከም እተፈጸመ ትኣምን ትኸውን። ኣብ ቀረባ ግዜ እተዋህበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ እኳ፡ “ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት—ንኣብነት፡ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን 38 ሚእታዊት ህዝቢ ብሪጣንያን—ብተኣምራት ይኣምኑ እዮም።” (ዘ ካብሪጅ ኮምፓኒየን ቱ ሚራክልስ፡ ብግራሃም ኤች. ትወልፍትሪ እተሰናደወ) ብተወሳኺ፡ ክርስትያናት ጥራይ ኣይኰኑን ኣብ ተኣምር ዚኣምኑ። ብመሰረት ብሪታኒካ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዎርልድ ረሊጅንስ፡ “ዳርጋ ዅለን ሃይማኖታት” ብተኣምራዊ ፍጻመታት ይኣምና እየን።
ወይ ከኣ፡ ከምቶም “እንድዒ፡ ኣይግድሰንን እዩ! ኣብ ህይወተይ ተኣምራት ኪፍጸም ኣይረኣኹን!” ዚብሉ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ብተኣምራት ክትግደስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ዘይሓዊ ሕማም ከም ዘሎካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ሓደ ውሩይ ናይ ሕክምና መጽሔት፡ ንሕማምካ ኼሕዊ ዚኽእል ሓድሽ መድሃኒት ከም እተረኽበ ዚገልጽ ጸብጻብ እንተ ተንብብ፡ እንተ ወሓደ ቝሩብ ግዜ መዲብካ እተወሰነ ጻዕሪ ብምግባር ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንኽትምርምር ጥበባዊዶ ኣይምዀነን፧ ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዜደንቕ ተኣምራት ከም ዚፍጸም ይመባጻዕ እዩ። እቲ ተኣምራት እቲ ኸኣ፡ ኣብዛ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡር ዚትንክፍ እዩ። እሞኸ፡ ገለ ግዜ መዲብካ እተወሰነ ጻዕሪ ብምግባር፡ እዚ መብጻዓ እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ ኽትምርምርሲ ጥበባዊዶ ኣይምዀነን፧
ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ መብጽዓ እተኣተወሉ ተኣምራት ቅድሚ ምምርማርና፡ ብዛዕባ ተኣምራት ብተደጋጋሚ ንዚስማዕ ሰለስተ ተቓውሞ መልሲ ንሃበሉ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ተኣምር እንታይ እዩ፧
ካብ ኵሉ እቲ ፍሉጥ ዝዀነ ሰብኣውን ባህርያውን ሓይልታት ጸብለል ዝበለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ምስ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ዚተሓሓዝ ፍጻመ እዩ።