ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/12 ገጽ 7
  • ምትእኽኻብ ስድራ ቤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምትእኽኻብ ስድራ ቤት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ብምኽባር ዝርከብ ዓስቢ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/12 ገጽ 7

ምትእኽኻብ ስድራ ቤት

“እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።” —መዝሙር 133:1።

ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት።

ኵሎም እስራኤላውያን ካብ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት ካብ ያእቆብ፡ ወይ እስራኤል ዚመጹ ብምዃኖም፡ “ኣሕዋት፡” ወይ ከኣ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት እዮም ነይሮም። በዓላት ንኼብዕሉ ኢሎም ኣብ የሩሳሌም ምእካቦም፡ “ሰናይን” “ጥዑሙን” እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት ብምትእኽኻብ “ሰናይን” “ጥዑሙን” ግዜ ኼሕልፋ ይምነያ እየን።

ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ክሪስትማስ ኤንድ ኒው ይርስ ሰለብረሽን፡ “ኣብቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ዓመት ተደጒሉ ዝነበረ ውጥረት ስድራ ቤት፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ኣብ እዋን በዓላት ምስ ተኣኻኸቡ መብዛሕትኡ ግዜ ይነቱጕ እዩ” ትብል።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

“ንወለዶም . . . ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:4) ብእተኻእለ መጠን ምስ ደቕኹም ኴንኩም ንወለድኹም ክትበጽሑዎም ስሩዕ መደባት ኣውጽኡ። ቤተሰብኩም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣዘውቲርኩም ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም። ደብዳበ ኽትጽሕፉሎም፡ ተሌፎን ክትድውሉሎም፡ ኢ-መይል ክትልእኹሎም ወይ ከኣ ከተዕልልዎም ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ቤተሰብኩም ኣዘውቲርኩም ምርኻብኩም፡ ዘይምርድዳእ ከም ዚንኪ ኺገብር ይኽእል እዩ።

“ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ . . . ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ።” (2 ቈረንቶስ 6:12, 13) ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ዚብጽሑ ወይ ዚቕልቀሉ ኣዝማድ ንቤተሰቦም፡ ብፍላይ ድማ ንቘልዑ ጓኖት መሲሎም ኪርኣይዎም ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ቈልዑ ምስ ኣቦሓጎታቶም ወይ ምስ እኖሓጎታቶም ወይ ከኣ ምስ ካልኦት ርሕቕ ዝበሉ ኣዝማዶም ዜራኽቦም ነገራት ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ክትተኣኻኸቡ ኸለኹም ንኣረጋውያን ኣዝማድ ብምጽምባር፡ ንደቅኹም ፍቕሮም ‘ኬግፍሑ’ ኣተባብዕዎም።a ምስ ኣረጋውያን ኣዘውቲሮም ግዜ ዜሕልፉ ቘልዑ፡ ንዚዓብይዎም ሰባት ዝያዳ ንኺድንግጹሎምን ኬኽብርዎምን ይተባብዑ እዮም።

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።” (ምሳሌ 15:23) ኣብ ስድራ ቤትካ ዘይምርድዳእ ዓብዪ ጸገማት ንኸይፈጥር፡ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ሓደ ኻብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት፡ ነቲ ኣገዳሲ ጕዳያት እትዛረበሉ “ጊዜ” ምምራጽ እዩ። ምስ ስድራ ቤትካ ወትሩ ሓሳብ ንሓሳብ ትለዋወጥ እንተ ዄንካ፡ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ብብሕቲ ቐሪብካ ንዝዀነ ይኹን ጸገማት ንኽትመያየጠሉ ኪቐለካ እዩ፣ ክትተኣኻኸቡ ኸለኹም ከኣ “ጽቡቕ” ግዜ ኸተሕልፉ ኢኹም።

a ኣብተን ኣብ ናይ 22 ሚያዝያን ናይ 22 ግንቦትን 2011 ሕታማት ንቕሑ! (ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም) ዚርከባ፡ “ንኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ኪፈልጦም ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧” ከምኡውን “ምስ ኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ኪቀራረብ ዚኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስተን ዓንቀጻት (እንግሊዝኛ) ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ