ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/4 ገጽ 10
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናሆም—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ካብ ትንቢት ናሆምን ትንቢት ኣንባቆምን ትንቢት ጸፎንያስን ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም —ናሆም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/4 ገጽ 10

ትፈልጥዶ፧

ጥንታዊት ነነዌ፡ “ከተማ ደም” እተባህለት ስለምንታይ እያ፧

ተዋጋእቲ፡ ኣራእስ ምሩኻት ጸላኢ ሒዞም ኣብ ሓደ ዅምራ ኺድርብይዎ ኸለዉ ዜርኢ ቕሩጽ ስእሊ

ነነዌ ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር እያ ነይራ። ዜደንቕ ኣብያተ መንግስትን ኣብያተ መቕደስን ሰፋሕቲ ጐደናታትን ዓበይቲ መናድቕን ዝነበራ ሓያል ከተማ እያ ነይራ። እቲ ናሆም ዚብሃል እብራዊ ነብዪ ኸኣ፡ “ከተማ ደም” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ።—ናሆም 3:1።

ኣብ ነነዌ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሰናክሪብ እተረኽበ ቕሩጽ ስእሊ፡ ንጭካነ ኣሶር ዚምስክር እዩ። ሓደ ኻብዚ ስእሊ እዚ፡ ሓደ መሳቐዪ ኻብ ሓደ ምስ ባይታ እተጣበቐ እሱር፡ መልሓሱ ጐጥጒጡ ኼውጽኣ ኸሎ የርኢ። ኣብኡ ተጻሒፉ ዚርከብ ከኣ፡ ምሩኻት በቲ ኣብ ኣፍንጫኦም ወይ ኣብ ከንፈሮም እተሰዅዐ ዓንቃሪቦታት ብገመድ ተኣሲሮም ከም እተመርሑ ብትምክሕቲ ይገልጽ። ምሩኻት ሰበ ስልጣን ድማ መስሓቂ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣብ ክሳውዶም ኣራእስ ነገስታቶም ኪኣስሩ ይግደዱ ነበሩ።

ብዛዕባ ኣሶር መጽናዕቲ ዚገብር ኣርኪባልድ ሄንሪ ሴስ፡ ነቲ ሓንቲ ኸተማ ምስ ተታሕዘት ዚግበር ዝነበረ ባርባራዊ ተግባር ከምዚ ኢሉ ገለጾ፦ “እቶም ወረርቲ ኣብ ዘዝኸድዎ፡ ኵምራ ርእሲ ሰባት እዮም ዚዅምሩ ነይሮም፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ብህይወት ከለዉ ይቃጸሉ፡ ወይ ንዝገደደ ተግባር ይዕቀቡ ነበሩ፣ ንሰባት ይሰቕልዎም፡ ብህይወቶም ከለዉ ቘርበቶም ይቐልጥዎ፡ የንቍርዎም፡ ወይ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣእዛኖምን ኣፍንጫታቶምን ይቘርጽዎ ነበሩ።”

እቲ ኣብ ዙርያ ናሕሲ ኣባይቲ ኣይሁድ ዚግበር ዝነበረ መጋረዲ እንታይ ዕላማ ነይርዎ፧

ኣምላኽ ንኣይሁድ፡ “ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕ፡ ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ፡ ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳግም 22:8) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ስድራ ቤታት ኣይሁድ ንናሕሰን ኣጸቢቐን ይጥቀማሉ ስለ ዝነበራ፡ እቲ ንድሕንነት ተባሂሉ ዚግበር መጋረዲ ኣድላዪ እዩ ነይሩ።

መብዛሕትኡ ኣባይቲ እስራኤላውያን ለጥ ዝበለ ናሕሲ ነበሮ። ሰባት ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ብጸሓይ እናሞቑ ጽሩይ ኣየር የስተንፍሱ፡ ወይ ዕዮ ቤት ይገብሩ ነበሩ። ኣብ ሓጋይ ከኣ፡ ንድቃስ ምሹእ ቦታ ነበረ። (1 ሳሙኤል 9:26) ሓረስታይ ድማ እኽሉ ቕድሚ ምጥሓኑ ምእንቲ ኺነቕጸሉ፡ ወይ ከኣ በለስን ወይንን ምእንቲ ኺነቕጸሉ፡ ኣብ ዝባን ናሕሱ ይሰጥሖ ነበረ።—እያሱ 2:6።

ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ከኣ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ወይ ኣምልኾ ጣኦት ይገብሩ ነበሩ። (ነህምያ 8:16-18፣ ኤርምያስ 19:13) ኣብ ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:9-16) ኣብ ልዕሊ እቲ ናሕሲ ብተኽሊ ወይኒ ወይ ኣቝጽልቲ ስየ ጌርካ ዳስ እንተ ተገይሩ፡ ንዕረፍቲ ዚኸውን ምሹእ ቦታ ይኸውን ነበረ።

ዘ ላንድ ኤንድ ዘ ቡክ ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ኣባይቲ እስራኤላውያን “ብወጻኢ ቤቶም፡ ግናኸ ኣብ ውሽጢ ኣጸድ” ናብ ናሕሲ ዜደይብ መደያይቦ ወይ መሳልል ከም ዝነበሮ ትገልጽ። ስለዚ፡ ሓደ ብዓል ቤት ካብ ናሕሱ ወሪዱ፡ ናብ ቤቱ ኸይኣተወ ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። እዚ ድማ፡ ነቲ የሱስ ካብታ ንጥፍኣት እተመጠወት ከተማ ኺሃድሙ ኸለዉ፡ “ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ” ብምባል ክሳዕ ክንደይ ብህጹጽ ኪሃድሙ ኸም ዘለዎም ዝሃቦ መጠንቀቕታ የነጽረልና።—ማቴዎስ 24:17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ