ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/10 ገጽ 6
  • ‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንመሲሕ ተጸብዮምዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መሲሕ—ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/10 ገጽ 6

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧

‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’

እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ እትጽሓፍ ኣስታት ኣርባዕተ ዘመናት ምስ ሓለፈ፡ እቲ ሚክያስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነበዮ ትንቢት ተፈጸመ። ብመሰረት እቲ ትንቢት፡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። ድሕሪኡ፡ ኣስታት 30 ዓመት ጸኒሑ፡ ብ29 ድ.ክ. እቲ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መሲሕ ዚዛረብ ቀዳማይ ክፋል ትንቢት ዳንኤል ተፈጸመ። የሱስ ተጠምቀ፡ ኣምላኽ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ቀብኦ። እቲ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ትጽቢት ኪግበረሉ ዝጸንሐ መሲሕ፡ ማለት እቲ ዘርኢ፡ ልክዕ ኣብ ግዜኡ ተቐልቀለ።

የሱስ ብኡብኡ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ እናኣበሰረ’ ኣገልግሎቱ ጀመረ። (ሉቃስ 8:1) ከምቲ ብትንቢት እተነግረሉ ድማ ለዋህን ልኡምን ብዛዕባ ኻልኦት ብሓቂ ዚግደስን መሲሕ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ትምህርትታቱ ግብራውን ፍቕራውን እዩ ነይሩ፣ ‘ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰ’ ብምሕዋይ ከኣ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዝነበረ ኣርኣየ። (ማቴዎስ 4:23) እተፈላለየ ዕድመ ዝነበሮም ሰባት ‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’ በሉ።—ዮሃንስ 1:41።

የሱስ፡ መንግስቱ ምሉእ ብምሉእ ክትገዝእ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ዓለም ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ካልእ ሓያሎ ጸገማትን ከም ዚህሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንዅሎም ሰባት ከኣ “ንቕሑ” ብምባል ተላበዎም።—ማርቆስ 13:37።

የሱስ ወትሩ ንኣምላኽ ዚእዘዝ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ጸላእቱ ኣብ መወዳእታ ቐተልዎ። ስለዚ፡ ብሞቱ ኣቢሉ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ንዘለኣለም ኣብ ገነት ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ንኺመልሰልና ኢሉ ፍጹም መስዋእቲ ኣቕረበ።

የሱስ ከም ዚመውትን ኣምላኽ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ኸም ዜተንስኦን ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ንሱ ምስ ተንስአ ልዕሊ 500 ንዝዀኑ ደቀ መዛሙርቱ ተራእይዎም እዩ። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሰዓብቱ፡ ን“ዅሎም ኣህዛብ” ብዛዕባኡን ብዛዕባ መንግስቱን ብስራት ኪነግርዎም ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19) እሞኸ፡ ነቲ መዝነት እቲ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ብስፍሓት ፈጺሞምዎ፧

​—ኣብ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ፡ 1 ቈረንቶስ እተመስረተ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ