ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/10 ገጽ 7
  • ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚኸውን ብስራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚኸውን ብስራት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ ክርስትና ይብርትዕ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንዓናን ንኻልኦትን ዚጠቅም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣንበብቲ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/10 ገጽ 7

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧

ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚኸውን ብስራት

ትንሳኤ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝያዳ እምነትን ቅንኣትን ኣሕዲሩሎም እዩ። ብፍላይ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ንእሽቶ እስያን ኣብ ከባቢ መዲተራንያን እናተጓዕዘ፡ ጉባኤታት ወዲቡ፡ ንክርስትያናት ከኣ ስነ ምግባራዊ ጸቕጥታትን ብርቱዕ ምጽራርን ኬጋጥሞም ከሎ ኣብ እምነቶም ንኺጸንዑ ኣተባቢዕዎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት እኳ እንተ ነበረ፡ ክርስትና ኣስፋሕፊሑ እዩ።

ድሕሪ እዚ፡ ጳውሎስ ንባዕሉ እውን ተኣሲሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ እውን ከይተረፈ፡ ንጉባኤታት መተባብዕን ምኽርን ጽሒፉለን እዩ። ብዘይካዚ፡ ዝያዳ ሓደገኛ ዝዀነ ዅነታት፡ ማለት ክሕደት ከም ዜጋጥም እውን ኣጠንቂቑ እዩ። ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ “ቄናን ነገር ዚዛረቡ” “ሕሱማት ተዃሉ” ኣብቶም ክርስትያናት ከም ዚኣትዉ፡ ‘ንደቀ መዛሙርቲ ድማ ደድሕሪኦም ከም ዚስሕቡ’ ተነብዩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30።

እዚ ኽሕደት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ እቲ ዝተንስአ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ምልክታት ራእይ ኣርኣዮ። ከምቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ድማ፡ ተጻረርቲ ዀኑ መምህራን ሓሶት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርን ደቂ ሰብን ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኼፍሽልዎ ዓቕሚ የብሎምን። “ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ እዮም። (ራእይ 14:6) ምድሪ፡ ገነት ክትከውን፡ ኵሉ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ዚደሊ ሰብ ድማ ኣብኣ ኺነብር እዩ።

እዝስ፡ “ብስራት” ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ መልእኽቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንኽትረክብ ተምሃር። ንሕጂ ዀነ ንዚመጽእ ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል እውን ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ www.pr418.com ብ50 ዚኸውን ቋንቋታት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ፡ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ከምኡውን ብስራት ኣምላኽ ዘርእስተን ብሮሹራትን እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ካልእ ሕታማትን ክትምርምር ትኽእል ኢኻ። እዚ ሕታማት እዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ክንኣምኖ ኸም እንኽእልን ነቲ ዚህበና ግብራዊ ምኽሪ ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ብሕታዊ ናብራናን ብኸመይ ክንዓይየሉ ኸም እንኽእል ይገልጽ። ወይ ከኣ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንኺህቡኻ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ትኽእል ኢኻ።

​—ኣብ ግብሪ ሃዋርያት፡ ኤፌሶን፡ ፊልጲ፡ ቈሎሴ፡ ፊልሞን፡ 1 ዮሃንስ፡ ራእይ እተመስረተ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ