ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንዓናን ንኻልኦትን ዚጠቅም
የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” ክንሰብኽ ኣዚዙና እዩ። (ማቴ. 24:14) ‘ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንፍጽም፡’ እቲ watchtower.org፡ jw-media.org፡ ከምኡውን jw.org ዚብሃል ዝነበረ ወብ ሳይታት፡ ኣብቲ ለውጥታት ተገይሩሉ እተዳለወ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ተጠቓሊሉ ኣሎ።—2 ጢሞ. 4:5።
“ኣብ ኵላ ዓለም”፦ ካብ ተቐማጦ ምድሪ ኣስታት ሓደ ሲሶ ዚዀኑ ሰባት፡ ኢንተርነት ይጥቀሙ እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ብቐንዱ ኻብ ኢንተርነት እዮም ሓበሬታ ዚረኽቡ። ወብ ሳይትና፡ ንተጠቀምቲ ኢንተርነት፡ ንሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ቅኑዕ መልስታት እዩ ዚህቦም። ምስ ውድብ የሆዋ የላልዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኼጽንዑ እንተ ደልዮም ከኣ፡ ብቐሊሉ ንኺሓትቱ ይሕግዞም። በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ብቐሊሉ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ዘይክእሉ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪበጽሖም ይኽእል።
“ኵሎም ኣህዛብ”፦ ን“ዅሎም ኣህዛብ” ኪምስከረሎም እንተ ዀይኑ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብቛንቋኦም ከነዳልወሎም ኣሎና። በጻሕቲ jw.org፡ ካብ ካልእ ወብ ሳይት ንላዕሊ፡ ብ400 ቛንቋታት እተዳለወ ሓበሬታ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ፦ እቲ ለውጥታት ተገይሩሉ እተዳለወ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት፡ ንዘይኣመንቲ ንምምስካር ጥራይ ኣይኰነን ተዳልዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ኢንተርነት ክትጥቀም ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ብዝያዳ ኽትፈልጦ ነተባብዓካ። ቀጺልና፡ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ፈትኖ
1 ኣብቲ ኣድራሻ ወብ ሳይት ዚጽሓፈሉ ቦታ፡ www.pr418.com ዚብል ኣእቱ።
2 ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት እቲ ወብ ሳይት ብምጥዋቕ፡ ነቲ ወብ ሳይት ዳህስሶ።
3 ኢንተርነት ኪኸፍት ብዚኽእል ሞባይል ጌርካ፡ ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ርኣዮ። በቲ ናይታ ሞባይል ንእሽቶ ስክሪን ምእንቲ ኽትርእዮ፡ መልክዕ እቲ ወብ ሳይት ዚተዓራረ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሓበሬታ ግና ሕደ እዩ።