ንወብ ሳይትና ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመሉ—“መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ”
ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ብእንግሊዝኛ “Bible Teachings > Bible Questions Answered” (“ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ”)፡ ዚብል ክፋል ኣሎ። ነዚ ብተደጋጋሚ ዚልዓል ሕቶታት ኣቐዲምና ርኢናዮ እንተ ደኣ ጸኒሕና፡ ነቶም ዚሓትቱና ሰባት ናብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ዚርከቦ ወብ ሳይትና ኽንመርሖም ንኽእል ኢና። እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምይይጥ ንኸነጀምር እውን ይሕግዘና እዩ። ኣብ ክልኻ ንዚርከቡ ሰባት እተገድሶም ሕቶ ብምምራጽ፡ ነቲ በዓል ቤት ርእይቶኡ ንኺህበካ ሕተቶ እሞ፡ ካብቲ ኣብ jw.org ዚርከብ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብርሃሉ። ድሕሪኡ ነቲ ሓበሬታ ኻበይ ከም ዝረኸብካዮ ኸተርእዮ ወይ ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ኣማራጺ ኸኣ፡ ነቲ መልሲ ብቐጥታ ኻብ ወብ ሳይት ባዕሉ ኸም ዜንብቦ ምግባር እዩ። በዓልቲ ቤት ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣቀራርባ ብምጥቃም ጽቡቕ ውጽኢት ረኺባትሉ እያ፦ “ብዙሓት ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ድዩ፧’ ብምባል ይሓትቱ፣ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ውሽጢ 51 ካልኢት ክትፈልጥ ምደለኻዶ፧” ኢላ ድሕሪ ምሕታታ፡ ነቲ ኣብ ሞባይላ ዘራገፈቶ ብድምጺ እተቐድሐ መልሲ ተስምዖ። ኣብ መወዳእታ ናብ ምዕራፍ 11 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ትመርሖ።