ኣብ ኣገልግሎትካ ንjw.org ተጠቐመሉ—“ዓርኪ የሆዋ ኹን”
ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ብእንግሊዝኛ “Bible Teachings > Children > Become Jehovah’s Friend” ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ቈልዑ > ዓርኪ የሆዋ ኹን) ዚብል ክፋል፡ ንቘልዑ ዚኸውን መዝሙራትን ቪድዮታትን ካልእ ንጥፈታትን ይርከብ እዩ። ነዚ ኽፋል እዚ ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቒምካሉዶ ትፈልጥ፧ ምስ ሓደ ንኣሽቱ ውሉዳት ዘለውዎ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ እንተድኣ ኣሊኻ፡ ንምንታይ ነዚ ኽፋል እዚ ዘይተርእዮ፧ እዚ ንኻልእ ክፋል ወብ ሳይትና ንኺጥቀመሉ ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓው ዜና መንግስቲ ቝ. 38 ኪዕድል ከሎ፡ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣበርከተላ እሞ፡ እታ ሰበይቲ ነታ ትራክት ብኡብኡ ኸተንብባ ጀመረት። እቶም ንኣሽቱ ደቃ ድማ ብዛዕባ እታ ትራክት ኪፈልጡ ተሃንጠዩ። እቲ ሓው ከኣ፡ ንትሕዝቶ እታ ትራክት ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸላ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ገጽ እታ ትራክት ዘሎ ኣድራሻ ወብ ሳይትና ኸኣ ኣርኣያ። እታ ሰበይቲ ተገዳስነት ስለ ዘርኣየት፡ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኻብ ሞባይሉ ንዓኣን ንደቃን ንሓንቲ ኻብተን ናይ ካሌብ ቪድዮታት ኣርኣዮም።
ሓንቲ ሓብቲ ንኣሽቱ ውሉዳት ንዘለውዋ መሳርሕታ፡ ብዛዕባ ወብ ሳይትና ኸምኡ እውን እቲ ንስድራ ቤት ዚምልከት ሒዝዎ ዘሎ ትሕዝቶ ነገረታ። እታ ሰበይቲ ድማ ምስ ደቃ ዀይና ንjw.org ከፈተታ። ድሕሪ ገለ እዋን፡ እታ ሰበይቲ ነታ ሓብቲ፡ ደቃ “ፕሪች ዘ ዎርድ” እትብል ሓንቲ ኻብተን ኣብ ትሕቲ “ዓርኪ የሆዋ ኹን” ዚብል ክፋል ዘሎ መዝሙራት ኣብ ቤት እናዞሩ ይዝምሩ ኸም ዝነበሩ ነገረታ።
ንምንታይ ነዚ ኣብ jw.org ዚርከብ ክፋል ጽቡቕ ጌርካ ብምፍላጥ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ቪድዮታትን መዝሙራትን ካልእ ንጥፈታትን ኣብ ሞባይልካ ዘይተራግፍ። ከምዚ ምስ እትገብር፡ ነዚ ኣብ jw.org ዚርከብ ክፋል ኣብ ኣገልግሎትካ ንኽትጥቀመሉ ድሉው ክትኸውን ኢኻ። ንጐይታ ንኽንግዛእ ዚሕግዘና፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ንዋት ኰን እዩ!—ግብ. 20:19።