ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ
ንሰባት፡ ነቲ ወብ ሳይትና ኺርእይዎ ኣተባብዓዮም፦ ገሊኦም ምሳና ኻብ ምዝርራብ ወይ ጽሑፋትና ኻብ ምውሳድ ሰጋእ መጋእ ዚብሉ ሰባት፡ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ብምርኣይ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፈልጡ ፍቓደኛታት እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ወብ ሳይትና ንገሮም።
ሕቶታት መልስ፦ ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ብዓል ቤት፡ ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ፡ ወይ ከኣ ሓደ እትፈልጦ ሰብ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ከኣ ብዛዕባ እምነትና ይሓትተካ ይኸውን። ሽዑ ንሽዑ ብሞባይል ወይ ብኮምፕዩተር ጌርካ ነቲ ወብ ሳይትና ብምኽፋት፡ ንሕቶኡ መልሰሉ። ነቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንበብካሉ ይሓይሽ። ኢንተርነት ክትረክብ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ካብ jw.org መልሲ ኺረክብ ከም ዚኽእል ሓብሮ።—ኣብ ትሕቲ “ባይብል ቲችንግ/ባይብል ኰስችንስ ኣንሰርድ፡” ወይ ከኣ “ኣባውት ኣስ/ፍርኴንትሊ ኣስክድ ኰስችንስ” ዚብል ርአ።
ንእትፈልጦ ሰብ ሓንቲ ዓንቀጽ ወይ ጽሑፍ ለኣኸሉ፦ ሓደ ፒ.ዲ.ኤፍ. (PDF) ወይ ኢ.ፐብ. (EPUB) ብምርጋፍ፡ ምስ ኢ-መይልካ ኣተሓሒዝካ ልኣኽ። ወይ ከኣ ንሓደ ብኣውድዮ እተዳለወ ጽሑፍ ናብ ሲዲ ኸተራግፎ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ዘይተጠምቀ ሰብ፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ እተዳለወ ምሉእ መጽሓፍ፡ ብሮሹር፡ ወይ መጽሔት ክትህቦ ኸለኻ፡ ሓደ ጽሑፍ ከም ዘበርከትካ ጌርካ ኽትቈጽሮ ትኽእል ኢኻ። ስምካ ከይጠቐስካ ወይ ከኣ ኣብዚሕካ ጽሑፋት ኣይትልኣኽ። ናብ ካልእ ወብ ሳይት እውን ኪጸዓን የብሉን።—ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት” ርአ።
እዋናዊ ዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣርኢ፦ ከምኡ ምግባርካ፡ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሎም ሰባትን ንኻልኦትን፡ ንዓለምለኻዊ ስፍሓት ዕዮናን ንክርስትያናዊ ሓድነትናን ከም ዜማስዉሉ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (መዝ. 133:1)—ኣብ ትሕቲ “ኒውስ” ርአ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ፈትኖ
1 ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት፡” ነቲ ኸተራግፎ እትደሊ ጽሑፍ ኣናድዮ፣ ድሕሪኡ፡ ኣብቲ እትደልዮ ብምጥዋቕ ኣራግፎ።
2 ኣብቲ MP3 ዚብል ጠውቕ፣ ድሕሪኡ፡ ዝርዝር እቲ ዓንቀጻት በብሓደ ኺመጽእ እዩ። ሽዑ ነታ እትደልያ ዓንቀጽ ከተራግፋ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ▸ ብምጥዋቕ ክትሰምዓ ትኽእል ኢኻ።
3 ነቲ ጽሑፍ ብኻልእ ቋንቋ ኸተራግፎ እንተ ደሊኻ፡ ካብቲ ዝርዝር ቋንቋ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ።