ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ ተጠቐመሉ
እዋናዊ መጽሔታት ኣንብብ፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን፡ እቲ እተሓትመ ቕዳሓት ኣብ ጉባኤታት ቅድሚ ምብጻሑ ሓያሎ ሰሙናት ኣቐዲሙ ኣብ ኢንተርነት ይወጽእ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ብኣውድዮ እተዳለወ ቕዳሓት መጽሔታት ብእንግሊዝኛ ስምዓዮ።—ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት/መጽሔታት” ርአ።
ነቲ ኣብ ወብ ሳይት ጥራይ ዚወጽእ ጽሑፋት ኣንብብ፦ ከም “ንመንእሰያት፡” “ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡” “ንምይይጥ ስድራ ቤት፡” “መንእሰያት ዚሓትዎ” ዝኣመሰለ ዓንቀጻት፡ ኣብ ወብ ሳይትና ጥራይ እዩ ዚወጽእ። ስለዚ፡ ነዚ ዓንቀጻት እዚ ኣብቲ ወብ ሳይት ከፊትካ፡ ኣብቲ ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ እትገብረሉ እዋን ብእንግሊዝኛ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ።—ኣብ ትሕቲ “ባይብል ቲቺንግ/ችልድረን” ወይ ከኣ “ባይብል ቲቺንግ/ቲንኤጀርስ” ዚብል ርአ።
እዋናዊ ዜና ስማዕ፦ ዜተባብዕ ጸብጻባት ብእትኽእሎ ቛንቋ ኣንብብ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ዕቤት እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ዕዮና ዜጕልሕ ቪድዮታት ርአ። ገሊኡ ጸብጻባት ኣብ ባህርያዊ ሓደጋታትን ኣብ መስጐጕትን ዘተኰረ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንኣሕዋትና ኽንጽልየሎም ከለና ፈሊና ኽንጠቅስ ይሕግዘና እዩ። (ያእ. 5:16)—ኣብ ትሕቲ “ኒውስ” ርአ።
ላይብረሪ ኢንተርነት ተጠቒምካ ምርምር ግበር፦ እዚ በቲ እትኽእሎ ቛንቋ እንተ ኣልዩ፡ ብኮምፕዩተርካ ወይ ብሞባይልካ ጌርካ፡ ጥቕሲ ዕለት ኣንብብ ወይ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋትና ምርምር ገበር።—ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት/ላይብረሪ ኢንተርነት” ዚብል ርአ፡ ወይ ከኣ www.wol.jw.org ጽሒፍካ ድለ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ፈትኖ
1 ኣብታ ስእሊ ወይ ከኣ ኣብቲ “Download” ዚብል ጠውቕ። ሽዑ እቲ ስእሊ ብPDF ኪርአ እዩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጽሑፍ ሓቲምካ፡ ነቲ ንጥፈት ምስ ደቅኻ ኽትዓይዮ ትኽእል ኢኻ።
2 ነቲ ቪድዮ ንምርኣይ፡ “Play” ጠውቕ።