ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ግንቦት ገጽ 2
  • ንጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓንቲ ኢድካ ኽትሕዞ እትኽእል ቤተ መጻሕፍቲ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ እትጥቀመሉ መገድታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • መንፈሳዊ ምግቢ እትዕድል ንዋት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ግንቦት ገጽ 2

ክርስትያናዊ ህይወት

ንጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧

ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ (JW Library) ብናጻ ኽትጥቀመሉ ዚከኣል ሶፍትዌር ኣፕሊኬሽን ኰይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ናይ ኣውድዮ መደባትን ናብ ተሌፎንካ፡ ታብለትካ ወይ እውን ናብ ኮምፕዩተርካ ኸተራግፍ የኽእለካ።

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ

ብኸመይ ከም እትረኽቦ፦ ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ ኣፕሊኬሽን ስቶር ኣቲኻ፡ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ጽዓን። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ፡ ኣብ እተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ክትጥቀመሉ ዚከኣል እዩ። ገና ኻብ ኢንተርነት ከይወጻእካ፡ ነቲ ኣፕሊኬሽን ብምኽፋት፡ ናብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ኸተራግፎ እትደሊ ነገራት ምረጽ። ኣብ ቤትካ ኢንተርነት እንተ ዘይብልካ፡ ኢንተርነት ኣብ ዚርከቦ ቦታ፡ ማለት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ህዝባዊ ቤት ንባብ ወይ እውን ኣብ ጥቓኻ ኣብ ዚርከብ ቤት ሻሂ ዄንካ ኸተራግፍ ትኽእል ኢኻ። ጽሑፋት ናብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ሓንሳእ ምስ ተራገፈ፡ ድሕሪኡ ንኽትጥቀመሉ ኢንተርነት ኣየድልየካን እዩ። ሓድሽ ነገራት ብቐጻሊ ናብ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ስለ ዚውሰኽ፡ በብግዜኡ ናብ ኢንተርነት ብምእታው፡ ነቲ እተሓደሰ ኣፕሊኬሽን ክትጽዕኖ ኣሎካ።

ብኸመይ ከም ዝጠቕመካ፦ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብርን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንዚውሃብ ክፍልታት ክትከታተልን ሓጋዚ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት፡ ብፍላይ ድማ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኣብ እንምስክረሉ ግዜ እውን ጠቓሚ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ