ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ግንቦት ገጽ 8
  • ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ እትጥቀመሉ መገድታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ እትጥቀመሉ መገድታት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ብሓንቲ ኢድካ ኽትሕዞ እትኽእል ቤተ መጻሕፍቲ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ኣብ ኣገልግሎትካ ንjw.org ተጠቐመሉ—“ዓርኪ የሆዋ ኹን”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ግንቦት ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ እትጥቀመሉ መገድታት

ንመጽናዕቲ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስን ጥቕሲ ዕለትን ኣንብብ

  • ዓመት መጽሓፍን መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ኣንብብ። ነቲ ዕልባት ዚብል ክፋል ተጠቐመሉ

  • ንኣኼባታት ጉባኤ ተዳሎ፣ ነቲ መልስታት ከኣ ኣስምረሉ

  • ቪድዮታት ርአ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኺጓዓዙ ኸለዉ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ተጠቒሞም የጽንዑ

ኣብ ኣኼባታት፦

  • እቲ ተዛራባይ ንዝጠቐሶ ጥቕስታት ርኸብ። ነታ ኸፊትካያ ዝነበርካ ጥቕሲ ምእንቲ ኽትምለሳ፡ ነቲ ታሪኽ ዚብል ክፋል ተጠቐም

  • ናብ ኣኼባታት፡ ብዙሕ እተሓትመ ጽሑፋት ሒዝካ ኣብ ክንዲ እትመጽእ፡ ንኽፍልታት እቲ ኣኼባ ንምክትታልን መዝሙራት ንምዝማርን፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ተጠቐም። ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ፡ ኣብቲ እተሓትመ መጽሓፍ መዝሙር ዘይርከብ ሓደስቲ መዝሙራት ኣለዎ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ይጥቀሙ

ኣብ ኣገልግሎት፦

  • ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ ካብ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ እተወሰነ ነገራት ኣርእዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣፕሊኬሽንን ንጽሑፋትን ናብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኡ ኼራግፍ ሓግዞ

  • ንሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትረኽባ፡ ነቲ ድለ ዚብል ክፋል ተጠቐም።

  • ቪድዮ ኣርኢ። እቲ ብዓል ቤት ቈልዑ እንተ ኣልይዎ፡ ሓንቲ ኻብተን ዓርኪ የሆዋ ኹን ዘርእስተን ቪድዮታት ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንምልዕዓል፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ምስ ዚኸውን፡ ብቛንቋኡ እተዳለወ ቪድዮ ኣርእዮ

  • ንሓደ ሰብ ካብቲ ኣቐዲምካ ዘራገፍካዮ ብኻልእ ቋንቋ እተዳለወ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣንብበሉ። ነታ ጥቕሲ ንምኽፋት፡ ኣብታ ዝደለኻያ ፍቕዲ ጠውቕ፣ ብድሕሪኡ፡ ኣብታ ብኻልእ ቋንቋ እተዳለወ ትርጉም እተርኢ ምልክት ጠውቕ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ንእሽቶ ቘልዓን ንወለዳን ቪድዮ የርእዩዎም
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ