ወግዓዊ ወብ ሳይትና—እተፈልየ ቛንቛ ንዚዛረብ ሰብ ንምሕጋዝ ተጠቐመሉ
ወብ ሳይትና ኣርእዮ፦ ነቲ ወብ ሳይት ብቛንቋኡ ምእንቲ ኺርእዮ፡ ነቲ “ቛንቋ ወብ ሳይት” ዚብል ዝርዝር ብኸመይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ኣርእዮ። (ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ወብ ሳይት ጥራይ እዩ ኺርአ ዚኽእል።)
ነቲ ብቛንቋኡ እተዳለወ ወብ ፔጅ ኣርእዮ፦ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ወይ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዝኣመሰለ ጽሑፋትና ኽፈት። ካብቲ “ኣርኢ” ዚብል ዝርዝር ድማ፡ ናይቲ ብዓል ቤት ቋንቋ ምረጽ።
ነታ ዓንቀጽ ባዕሉ ኸም ዚሰምዓ ግበር፦ በቲ እቲ ብዓል ቤት ዚዛረበሉ ቛንቋ እተዳለወ ቕዳሕ ኣውድዮ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ጽሑፍ ኣጻውተሉ። ካልእ ቋንቋ ትመሃር እንተ ኣሊኻ፡ እናኣንበብካ ብምስማዕ ክእለትካ ኣመሓይሽ።—ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት/መጻሕፍትን ብሮሹራትን” ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት/መጽሔታት” ዚብል ርአ።
ንጽሙማን መስክረሎም፦ ምስ ሓደ ጽሙም እንተ ተራኺብካ፡ ብቛንቋ ምልክት ካብ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ፡ ብሮሹር፡ ወይ ትራክት፡ ሓንቲ ምዕራፍ ብቪድዮ ኣጻውተሉ።—ኣብ ትሕቲ “ጽሑፋት/ቋንቋ ምልክት” ዚብል ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ፈትኖ
1 ነቲ ኣውድዮ (ብእትኽእሎ ቛንቋ) ኸተጻውቶ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ▸ ዚብል ጠውቕ፣ ከተራግፎ እንተ ደሊኻ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ “Download Options” ዚብል፡ ነቲ እትደልዮ ጠውቕ።
2 ኣብ ትሕቲ እቲ “ኣርኢ” ዚብል ዝርዝር፡ ነቲ እትደልዮ ቛንቋ ኽፈት።
3 ነቲ “Next” ዚብል ጠውቕ፣ ወይ ከኣ ካልእ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ከተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ካብቲ “Table of Contents” ነቲ እትደልዮ ጠውቕ።