ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/14 ገጽ 3
  • ንjw.org ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንjw.org ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንዓናን ንኻልኦትን ዚጠቅም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንወብ ሳይትና ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመሉ—“መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
    ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
  • ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 9/14 ገጽ 3

ንjw.org ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

ወብ ሳይትና ነቲ ብስራት ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ’ ንምዝርጋሕ ዚሕግዘና ጠቓሚ መሳርሒ እዩ። (ግብ 1:8) መብዛሕትኦም ሰብ ቤት ንjw.org ባዕሎም ኣይረኽብዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓደ ኣስፋሒ ምስ ኣርኣዮም ጥራይ እዮም ብዛዕባኡ ዚፈልጡ።

ሓደ ገያሺ ሓላዊ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ናብ ሞባይሉ ኣራጊፉ፡ ኣብ ዝረኸቦ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንሰባት የርእዮም እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግል ከሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦ “ሰባት ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት መልሲ ንኺረኽቡለን ንምሕጋዝ እየ ዝበጽሖም ዘለኹ፦ (1) ኣብ ዓለም ብዙሕ ጸገማት ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ (2) ኣምላኽ ዜዐርዮ ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ እውን (3) ክሳዕ ሽዑ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ እዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚአን ትድህስስ።” ሽዑ ነታ ቪድዮ ይውልዓ፡ እቲ ብዓል ቤት ንዚህቦ ምላሽ ከኣ ይዕዘብ። እታ ቪድዮ ኣዝያ መሳጢት ስለ ዝዀነት፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነታ ቪድዮ ኽሳዕ እትውዳእ ኣዒንቶም ተኺሎም እዮም ዚከታተልዋ። ድሕሪኡ እቲ ገያሺ ሓላዊ፡ “ብኢንተርነት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓልካ ኸም ዚኽእል ሰሚዕካ ኢኻ። ኣነ ስለ ዘለኹ ድማ፡ ሕጂ ብቕልጡፍ ከርእየካ እኽእል እዩ” ይብል። እቲ ብዓል ቤት ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ በታ ብስራት እትብሃል ብሮሹር ተጠቒሙ፡ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር የርእዮ። እቲ ብዓል ቤት ግዜ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ነዚ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ንኺገብርዎ መሰናድዎ ይገብር። ቍሩብ ኬዕርፍ ኢሉ ናብ ቤት ምግቢ ኺኣቱ ኸሎ እውን፡ ምስቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብ ምቕልል ኢሉ ዝርርብ ብምጅማር ተመሳሳሊ ነገር ይብሎ። ንስኻኸ ንjw.org ኣብ ኣገልግሎትካ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ