መደብ 29 መስከረም እትጅምር ሰሙን
29 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 12 ¶14-19፡ ኣብ ገጽ 148 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 33-36 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 33:24-49 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ምሕላው ሰንበት፡ ካብ ጥንታዎት እስራኤላውያን ጥራይ ይድለ ነበረ—td 20ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ ድዩ፧—w11 1/11 ገጽ 6 ¶5-6¶5 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። ምይይጥ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኺካፈሉ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ግብሪ ሃዋርያት 4:13 ኸምኡውን 2 ቈረንቶስ 4:1, 7 ይነበባ። እዘን ጥቕስታት እዚአን ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዛና ኸም ዚኽእላ ግለጽ።
10 ደቒቕ፦ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ቃለ መጠይቕ ግበረሉ። ሓላፍነትካ እንታይ የጠቓልል፧ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ ክፍልታት ክትምድብ ከለኻ፡ እንታይ ረቋሒታት ኢኻ ኣብ ግምት እተእቱ፧ ኣተሓባባሪ ኸም ሓለቓ ኣካል ሽማግለታት ወይ ሓለቓ እታ ጉባኤ ጌርካ ኺሕሰብ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
መዝሙር 4ን ጸሎትን