ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/11 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መን ኢዮም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ስለምንታይከ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ናብ ሰማይ ዚኸዱ ኵሎም ጻድቃን ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/11 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ይደልዩ እዮም። የሱስ እውን፡ እቶም እሙናት ሃዋርያቱ፡ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ቅድሚ ሙማቱ፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ቦታ ኸም ዜዳልወሎም ተመባጺዑሎም እዩ።—ዮሃንስ 14:2 ኣንብብ።

ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብኡ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ነገስታት ከም ዚዀኑ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ድማ ኪገዝኡ እዮም።—ሉቃስ 22:28-30፣ ራእይ 5:10 ኣንብብ።

ኵሎም ጻድቃን ድዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧

ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ቍጽሪ እቶም መራሕቲ ሒደት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም የሱስ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ሰማያዊ ህይወት ዚህቦም ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስለ ዚገዝኡ፡ ቍጽሮም ሒደት ኪኸውን ኢና እንጽበ። (ሉቃስ 12:32) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጽሪ እቶም ምስ የሱስ ዚገዝኡ ሰባት ክንደይ ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ እዩ።—ራእይ 14:1 ኣንብብ።

የሱስ ንገሊኦም ሰዓብቱ፡ ኣብ ሰማይ ቦታ ኣዳልዩሎም እዩ። ኣብኡ እንታይ ከም ዚገብሩ ትፈልጥዶ፧

ይኹን እምበር፡ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ጥራይ ኣይኰኑን ዓስቦም ዚረኽቡ። እሙናት ተገዛእቲ እታ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ እውን፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። (ዮሃንስ 3:16) ገሊኣቶም ድማ፡ ካብ ጥፍኣት እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ድሒኖም ናብ ገነት ኪኣትዉ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺትንስኡ እዮም።—ምሳሌ 2:21፣ ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ካብ www.pr418.com ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ