ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/11 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ትንሳኤ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/11 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

ሰባት ኣብ ገነት ካብ ምዉታት ንዝተንስኡ ኪቕበልዎም ከለዉ

እቲ ንህይወት ዝፈጠረ ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦም ይኽእል እዩ

የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ህይወት እዩ። (መዝሙር 36:9) እዚ ኣምላኽ እዚ፡ ንምዉታት ኬተንስኦም ከም ዚኽእል ምእማን ርትዓዊዶ ኸይኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ኸምኡ ኺገብር ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ) ከምኡ ዚገብር ግና ስለምንታይ እዩ፧

ፈጣሪና፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ዓሊሙ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:31፣ 2:15-17) ሕጂ እውን ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣይተለወጠን። ኣምላኽ፡ ነዚ ሎሚ እነሕልፎ ዘለና ሓሳር ዝመልኦ ሓጺር ዕድመና ኺርኢ ኸሎ ብዙሕ እዩ ዚጕሂ።—እዮብ 14:1, 14, 15 ኣንብብ።

እቶም ዚትንስኡ ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ድዩ ፈጢርዎም፧ ኣይፋሉን። ኣምላኽ ንመላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኺፈጥሮም ከሎ፡ ንደቂ ሰብ ግና ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:28፣ እዮብ 38:4, 7) ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ትንሳኤ እስከ ሕሰብ። የሱስ ነዞም ሞይቶም ዝነበሩ ሰባት ኣብ ምድሪ እዩ ኣተንሲእዎም። ብተመሳሳሊ ድማ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ መጻኢ ዚትንስኡ ሰባት፡ ኣብ ምድሪ እዮም ኪነብሩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:44 ኣንብብ።

ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ፡ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ሒደት ሰባት ሓርዩ እዩ። (ሉቃስ 12:32፣ 1 ቈረንቶስ 15:49, 50) እዞም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ሰባት፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺነግሱ እዮም።—ራእይ 5:9, 10 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ